ህዝቅኤል 9
1 ኣብ ኣእዛነይ ከኣ፤ እቶም ነታ ኸተማ ዚቕጽዑስ፣ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዜጥፍኣሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፣ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ።
2 እንሆ ድማ፣ ሹድሽተ ሰብኣይ፣ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዚቐትለሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ካብቲ መገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ላዕላይ ደገ መጹ። ሓደ ሰብኣይ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፣ ናብ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቝኡ ዘለዎ፣ ኣብ ማእከሎም ነበረ። ኣትዮም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ።
3 ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፣ ካብ ልዕሊ ኩሩቤል ተላዕለ፣ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። ነቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፣ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቝኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ጸውዖ።
4 እግዚኣብሄር ከኣ፣ ብማእከል፣ ከተማ ብማእከል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ ነቶም ዚጕህዪን ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጉህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም፣ በሎ።
5 ኣነ እናሰማዕኩ ኸኣ ነቶም ካልኦት በሎም፣ ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሐሊፍኩም ውቕዑ፣ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትንሐፍ ኣይትራሕርሑውን።
6 ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረገውትን ነጉባዝን ንጕረዙን ንቐለውዕን ንኣንስትን ቅተሉ፣ ኣጽንቱ። ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም። ንሳቶም ከኣ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረገውቲ ጀመሩ።
7 ንሱ ድማ፣ ናታ ቤት ኣርክስዋ፣ ነቲ ኣጻዳት ከኣ ብምዉታት ምልእዎ፣ ውጹ፣ በሎም። ንሳቶም ወጹ ኣብታ ኸተማውን ይወቕዑ ነበሩ።
8 ኰነ ድማ፣ ኪወቕዑ ኸለዉ፣ ኣነ ተረፍኩ። ብገጸይ ወደቕኩ እሞ፣ ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነድርኻ ኣብ ኢየሩሳሌም ኵዒኻዶ፣ ንዅሎም ትርፎፍያ እስራኤል ከተጥፍኦም ኢኻ∶ ኢለ ጨራሕኩ።
9 ንሱ ድማ በለኒ፤ ኣበሳ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ፣ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርእን እዩ፣ ይብሉ ኣለዉ እሞ፣ እታ ሃገር ብደም፣ እታ ኸተማውን ብዓመጽ መሊኤን ኣለዋ።
10 ስለዚ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፣ ኣነ ኣይክርሕርሕን፣ መገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።
11 እንሆ ኸኣ፣ እቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እኸድነ፣ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቑኡ ዝነበሮ፣ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ፣ ኢሉ ጸብጻቡ ሀበ።