ህዝቅኤል 17
1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊቶይ ንገሮም፣ ምስላውን መስለሎም።
3 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ተዛረብ፣ ገዚፍ ዘኽናፉ፣ ነዊሕ ዝመንገብገቡ፣ ዓንጥዓንጦራይ ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ኣብ ሊባኖስ መጸ እሞ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ጽሕዲ ወሰደ።
4 ነቲ ርእሲ ጨንፈራ ሰልዖ፣ ናብ ሃገር ነግዲ ወሰዶ፣ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸኣ ኣንበሮ።
5 ካብታ ሃገር ድማ ጫለዳ ወሰደ፣ ኣብ ፍርያም ግራት ከኣ ተኸላ፣ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ከም ዕቦል ገይሩ ስፍራ ኣትሐዛ።
6 ንሳ ዐበየት፣ ጨንፍራ ናብኡ ዘበለ፣ ሱራ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ዝዀነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፣ ሓጺር ዝጕንዳ ኦም ወይኒ ዀነት። በዚ ኸምዚ ጨንፈር እትጭንፍርን፣ ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ዀነት።
7 ገዚፍ ዝኽንፉ፣ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ነበረ። እንሃ ኸኣ፣ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፣ ንሱ ማይ ኬስትያ ኢላ፣ ካብቲ እተተኽለቶ ቦታ ናብኡ ኣቢላ ሱራ ዘርግሔት፣ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣውፈረት።
8 ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእ፣ ፍረ ኸተፍሪ፣ ክብርቲ ኦም ወይኒውን ክትከውንሲ፣ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።
9 በል ድማ፣ ክትልምዕዶ እያ∶ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ምእንቲ ኽትነቅጽንሲ ሱራዶ ኣይኪምንቈስን፣ ፍሪኣኸ ኣይኪቝረጽን እዩ∶ እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዅሉ ቘጽልስ ኣይኪነቅጽን ድዩ∶ ሱራ ንምምንቋስ ሓያል ቅልጽምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ።
10 እንሆ፣ ምትካልሲ ተተኺላ ኣላ፣ ክትልምዕዶ እሞ እያ∶ ንፋስ ምብራቕ ምስ ተንከያስ፣ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይክትነቅጽን እያ∶ ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅጽ እያ።
11 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
12 እምብኣርሲ ነቲ ተጻራሪ ቤት፣ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም∶ በሎም። ንገሮም ከኣ፣ እንሆ፣ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም መጸ፣ ንንጉስን መሳፍንትን ሒዙ ናብኡ ናብ ባቢሎን ማረኾም።
13-14 እታ መንግስቲ ኽትሐምቕ እሞ ከይትትንስእ፣ ብምሕላው ኪዳና ኸኣ ምእንቲ ኽትቀውምሲ፣ ካብ ዘርኢ ቤት መንግስቲ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣተወ ማሕላ ድማ ኣምሐሎ። ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርን ምስኡ ወሰዶም።
15 ግናኸ ንሱ ኻብኡ ዐለወ፣ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ኪህብዎ ልኡኻት ናብ ግብጺ ሰደደ። ኪሰልጦዶ እሞ እዩ∶ ከምዚ ዝበለ ዚገብርሲ ኼምልጥዶ እዩ∶ ጠላም ኪዳንከ የምልጥዶ እዩ∶
16 ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዚነብረላ ዘሎ ቦታ፣ ናብቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ፣ ኪዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፣ ምስኡ ኸይኑ፣ ኣብ ማእከል ባቢሎን ኣብኣ ኺመውት እዩ።
17 ብዙሕ ሰብ ኪቐትሉ ኢሎም ዕርዲ ኺዐርዱን ግምቢ ኺሰርሑን ከለዉ፣ ፈርኦን ከኣ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኰይኑ ኣብ ውግእ ኣይኪረድኦን እዩ።
18 ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፣ ኢድ ጠቒዑስ እዚ ዅሉ ገይሩ እዩ እሞ፣ ኣይኬምልጥን እዩ።
19 ስለዚ፤ ኣነ ህያው እየ፣ እቲ ዝነዐቖ ማሕላውን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን ብርግጽ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
20 መርበበይ ክዝርግሓሉ እየ፣ ብመፈንጠራይ ከኣ ኪተሐዝ እዩ፣ ናብ ባቢሎን ድማ ክወስዶ፣ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዐመጸሉ ዓመጻ ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።
21 ኵሎም ህዱማቱ ምስ ኵሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኺወድቁ፣ እዮም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ኪዝረዉ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
22 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣነ ኸኣ ካብር ርእሲ እቲ ነዊሕ ጽሕዲ ወሲደ ኸንብሮ እየ። ካብቲ ላዕላይ ጠጥዒ ሓንቲ ለውለው እትብል ሰሊዔ፣ ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ ከረን ክተኽላ እየ።
23 ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ። ክትጭንፍርን ክትፈርን፣ ግሩም ዝዀነት ጽሕዲውን ክትከውን እያ። ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወን ዘበላን ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ጨናግራ ኪነብራ እየን።
24 ኵለን ኣእዋም መሮር ከኣ ነታ ነዋሕ ኦም ለጠቕ ዘበልኩ፣ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀጽኩ፣ ነታ ንቕጽቲ ኦም ከኣ ዘጠጠዕኩ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፣ ክገብሮ ድማ እየ።