ህዝቅኤል 14
1 ሓያሎ ኻብቶ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናባይ መጺኦም፣ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።
2 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
3 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣኦታቶም ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣቝሞምዎ ኣለዉ። ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክሕተት እየ∶
4-5 ስለዚ ተዛረቦም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል፣ ጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፣ ኣብ ነብዩውን ዚመጽእ ዘበለ፣ ዅላቶም ብሰሪ ጣኦታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፣ ንቤት ኣስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኺሕዞምሲ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣኦታቱ ኽመልሰሉ እየ፣ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገሮም።
6 ስለዚ ንቤት ኣስራኤል በሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ተመለሱ፣ ካብ ጣኦታትኩም ተመለሱ፣ ካብ ኵሉ ጽያፍኩም ከኣ ገጽኩም ምለሱ።
7 ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይስ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ መጻእተኛታት ካባይ ዚርሕቕ፣ ንጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፣ ንኣይ ኪሐተሉ ኢሉውን ናብ ነብዪ ዚመጽእ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ
8 ነዚ ሰብኣይ እዚ ንምህንዳድ ኣነ ክመልሰሉ፣ ንምልክትን ምሳሌን ከኣ ክገብሮ፣ ካብ ማእከል ህዝበይውን ከጽንቶ እየ፣ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
9-11 ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪኾኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፣ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፣ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ኵሉኸኣ ከይረኽሱስ፣ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፣ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፣ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
12 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣
13 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፣ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኩላ፣ ነቲ ምርኩስ እንጌራ ድማ እንተ ሰበርኩላ፣ ጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፣ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፣
14 እዞም ሰለስተ ሰብኣይ፣ ኖህን ዳንኤልን እዮብን፣ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ነታ ነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፍዋ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15 ብሰሪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብእኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፣ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዜጥፍእዋ፣ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእከል እታ ሃገር ኣንተ ፈኖኹ፣
16 እዞም ሰለስተ ሰብኣይ እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን፣ እታ ሃገር ከኣ ምባደመት።
17 ወይስ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸይጸንትሲ፣ ሰይፊ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ይሕለፍ፣ ኢለ ንሰይፊ ናብታ ሃገር እንተ ኣምጻኣኩ፣
18 እዞም ሰለስተ ሰብኣይ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን።
19 ወይስ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፣ ፌራ ናብታ ሃገር ኣቲኣ እንተ ሰደድኩ፣ ቍጥዓይ ከኣ ብደም እንተ ኽዖኹ፣
20 ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን።
21 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፣ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፣ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ዝሰድድውን፣
22 እንሆ፣ ዜውጽእዎም ኣወዳትን ኣዋልድን ገለ ተርፍ ኬምልጡ እዮም። እንሆ ኸኣ፣ ንሳቶም ናባኻትኩም ኪመጹ እዮም፣ ንብረቶምን ግብሮምን ድማ ክትርእዩ ኢኹም፣ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዅሉን ክትጸናንዑ ኢኹም።
23 ንብረቶምን ግብሮምን ምስ ርኤኹም፣ ንምጽንናዕኩም ኪኾኑ ኣዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።