ህዝቅኤል 21

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፣ ቃልካ ኸኣ ናብቲ ቕዱስ ስፍራታት ኣንጠብጥብ፣ ንሃገር እስራኤል ከኣ ኣንጻር ተነበየሉ።

3 ነታ ሃገር እስራኤል፣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገራ፣ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፣ ሰይፈይ ከኣ ካብ ሰገባኡ ኽመልሖ ካባኺውን ጻድቃንን ረሲኣንን ከጥፍእ እየ።

4 ንጻድቃንን ረሲኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፣ ስለዚ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ ካብ ደብብ ክሳዕ ሰሜን ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኺምላሕ እዩ።

5 ስጋ ዘበሉ ዅሎም ከኣ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ፣ ኪፈልጡ እዮም፣ ኣይኪምለስን ድማ እዩ።

6 ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ቈዝም፣ ብምስባር ሓቛቝኻ፣ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ቈዝም።

7 ኪኸውን ከኣ እዩ፣ እንታይ ኴንካ ትቝዝም∶ ኢሎም እንተ ሐተቱኻ፣ ንስኻ፣ በቲ ዚመጽእ ወረ ዅሉ ልቢ ኺመክኽ፣ ኵለን ኣእዳው ድማ ወለል ኪብላ፣ ኵሉ መንፈስ ከኣ ኪሕለል፣ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ኪፈስስ እዩ፣ ኢልካ ምለሰሎም። እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ፣ ኪፍጸም ድማ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

8 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

9 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ በልውን፣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሰይፊ፣ ሰይፊ በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ በል።

10 ምእንቲ ኺሐርድ በሊሑ፣ ምእንቲ ማሕማሕ ኪብል ተወልዊሉ። እምብኣርሲ ብእኡዶ ክንሕጐስ ኢና∶ በትሪ ወደይ ንዅለን ኣዕጻው ትንዕቀን ኣላ።

11 ብኢድ ምእንቲ ኪተሐዝ፣ ኪውልወል ሀቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኺውፈ፣ ተሳሕለን ተወልወለን።

12 ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ኪኸውን እዩ እሞ፣ ጨርሕ፣ ዋይዋይ ከኣ በል። ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተዋሂቦም እዮም፣ ስለዚ ሰለፍካ ውቓዕ።

13 ምዕዛብ መጸ፣ እታ እትንዕቕ በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ፣ እንታይ ደኣ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

14 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ በእዳውካ ኸኣ ኣጣቕዕ። እቲ ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይካዕበት፣ እቲ ሰይፊ ናይቶም ክሳዕ ሞት ዚቘሰሉ፣ እቲ ሰይፊ ናይቲ ኽሳዕ ሞት ዝቘሰለ ዓብዪ እዩ ናብ ቤቶም ዚኣቱ።

15 ልቦም ምእንቲ ኺመክኽ፣ ዕንቅፋቶም ከኣ ኪበዝሕሲ፣ ኣንፊ ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደጌታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ። ኣየ፣ ከም በርቂ መስመስ ይብል፣ ኪሐርዱሉ ኸኣ ተሳሒሉ ኣሎ።

16 ስሕለትካ ናብ ዘበሎ ተዳሊኻ ንየማን ወይስ ንጸጋም ኪድ።

17 ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፣ ሃና ነድረይውን ከውጽእ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ ተዛሪበዮ ዘሎኹ።

18 መሊሱውን ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

19 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዚሐልፈለን ክልተ መገዲ ንኣኻ ግበር፣ ክልቴኤን ካብ ሓደ ሃገር ይውጽኣ። መሓበርታ ኸኣ ግበር፣ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መገዲ ግበሮ።

20 ሰይፊ ናብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን፣ ናብ ይሁዳ ኸኣ ናብታ ዕርድቲ ኢየሩሳሌም ኪመጽእስ፣ መገዲ ኽትገብር ኢኻ።

21 እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽጥንቍል፣ ኣብታ ቓራና መገዲ፣ ኣብ ርእሲ ኽልቲኤን መገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፣ ፍላጻታት የነኒ፣ ንጣኦታት ቤት ይጥይቕ፣ ከብዲ ይጥምት ኣሎ።

22 ኣብኡ መፍረስ ዕርዲ ኺትከል፣ ንዘመራ ውግእ ኣፉ ኪኸፍት፣ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኺጭድር፣ ኣብ መንጽር ደጌታት ከኣ መፍረስ ዕርዲ ኬቕውም፣ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኺነድቕሲ፣ ኣብ የማነይቱ ናብ ኢየሩሳሌም እተመልክት ዕጭ ኣላቶ።

23 ማሕላ ምሒሎም ክነሶምሲ፣ እዚ ጠንቈላ እዚ ሓሶት ኰይኑ ኺረኣዮም እዩ። ንሱ ግና፣ ምእንቲ ኺተሐዙ፣ ኣበሳኦም ኬዘክር እዩ።

24 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ገበንኩም ተቐሊዑ፣ ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣዩ፣ ኣበሳኹም ስለ ዘዘከረኩም፣ ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፣ ስለዚ ብሓያል ኢድ ክትተሐዙ ኢኹም፣ ይብል ኣሎ።

25 ኣታ በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልትኻ ዝበጽሔ ርኹስ ረሲእ መስፍን እስራኤል፣

26 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ዘውዲ ቐንጥጥ፣ ኣኽሊል ኣውጽእ። እዝስ ከምዚ ዘለዎ ዀይኑ ኣይኪነብርን እዩ። እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፣ እቲ ልዕል ዝበለ ኸኣ ይዋረድ።

27 ጥፍኣት፣ ጥፍኣት፣ ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ እዚ ኸኣ ኣይኪነብርን እዩ።

28-29 ንስኻ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ተነበ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ዓሞንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንገር በልውን፣ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበጽሔ ቕቱላት ረሲኣን ኼንብሩኽስ፣ ከንቱነት ኪርእዩልኪ፣ ጠንቈላ ሓሶት ከኣ ኪናገሩልኪ ኸለዉ፣ ሰይፊ፣ ሰይፊ ተመሊሑ ኣሎ። ኪሐርድን ኪጐምምን መስመስ ኪብልን ተወልዊሉ ኣሎ።

30 ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፣ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ፣ ኣብታ እተወለድካላ ሃገር ክፈርደካ እየ።

31 ኵራይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፣ ሓዊ ነድረይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፣ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፣ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ።

32 ብልዒ ሓዊ ክትከውን ኢኻ፣ ደምካ ኣብ ማእከል ሃገር ኪክዖ እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ፣ ዚዝክረካ የልቦን።