ህዝቅኤል 15

1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኦም ወይኒ፣ እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግሲ፣ ብምንታይ እዩ ኻብቲ ኻልእ ኣእዋም ዚበልጽ∶

3 ብእኡ ስራሕ ኪገብሩስ፣ ካብኡዶ ዕጨይቲ ይወስዱ እዮም∶ ኣቕሓ ኺሰቕሉሉስ፣ ጸዋሪትከ ኻብኡዶ ይወስዱ እዮም∶

4 እንሆ፣ ሞዅ ኪብል ኣብ ሓዊ ይድርበ፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፣ እቲ ማእከሉውን ይሐርር፣ ንገለ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ∶

5 እንሆ፣ ብደሓኑ ኸሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፣ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኸመይ ኢሉ ገለ ስራሕ ኪግበሮ ይከኣል∶

6 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ብሓዊ ሞዅ ኪብል ዝወፌኽዎ ኦም ወይኒ፣ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።

7 ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ እየ፣ ካብ ሓዊ ወጹ፣ ግናኸ ሓዊ ኺበልዖም ኣዩ። ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ ከሎኹ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

8 ስለ ዝጠለሙ ነታ ሃገር ከባድማ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።