ህዝቅኤል 4

1 ንስኻ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ጡብ ውሰድ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣንብሮ እሞ ከተማ፣ ማለት ኢየሩሳሌም ሰኣለሉ።

2 ክቢ ኽበባ፣ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ስራሕ፣ ዕርዲ ዕረዳ፣ ሰፈር ኣስፍረላ፣ ብዅሉ ዙርያኣ ድማ ደዐውል ግበር።

3 ንስኻ ኸኣ መቝሎ ሓጺን ወሲድካ፣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን ከም መንደቕ ሓጺን ጌርካ ኣንብሮ። ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፣ ክብብቲ ትኹን፣ ክበባውን። እዚ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን።

4 ደሓን ብጸጋማይ ጐድንኻ በጥ በል፣ ኣብኡውን ንኣበሳ ቤት እስራኤል ኣንብሮ፣ ክንዲ ቝጽሪ እተን በጥ እትብለለን መዓልትታት ከኣ ኣበሳኦም ክትጸውር ኢኻ።

5 ኣነ፣ ድማ ዓመታት ኣበሳኦም ብቝጽሪ መዓልትታት፣ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፣ ገይረልካ ኣሎኹ። ንስኻውን ኣበሳ ቤት እስራኤል ክትጸውር ኢኻ።

6 እዚ ምስ ኣእከልካ ኸኣ፣ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐድንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፣ ነርብዓ መዓልቲውን ኣበሳ ቤት ይሁዳ ኽትስከም ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣሎኹ።

7 ገጽካን እቲ ጥራዩ ዘሎ ቕልጽምካን ናብታ ኽብብቲ ኢየሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ።

8 እንሆ፣ ብገመድ ቀጥ ኤብለካ፣ ነተን መዓልትታት ምኽባብካ ኸየእከልካየን ከኣ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብታ ሓደ ጐድንኻ ኣይክትግልበጥን ኢኻ።

9 ንስካ ስርናይና ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ወሰድ፣ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፣ ካብኡ እንጌራ ሰንክት፣ ብቝጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ እትድቅሰለን መዓልትታት፣ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፣ ካብኡ ኽትበልዕ ኢኻ።

10 እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሲቃል ይኹን። ካብ ጊዜ ኽሳዕ ጊዜ ኽትበልዖ ኢኻ።

11 ማይውን ብመሰፈሪ፣ ሳድሰይቲ ኣፍ ሂን ክትሰቲ ኢኻ። ካብ ጊዜ ክሳዕ ጊዜ ኽትሰትዮ ኢኻ።

12 ኣብ ቅድሚኦም ብውጽኣት ግዳም ሰብ ኣብሲልካ፣ ኣብኡ ኸም ቅቻ ስገም ክትበልዖ ኢኻ።

13 እግዚኣብሄር ከኣ፣ ደቂ እስራኤልሲ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣነ ናብኦም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኰይኖም፣ ከምኡ ርኹስ እንጌራኦም ኪበልዑ እዮም፣ በለ።

14 ሽዑ ኣነ፣ ወዮ፣ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እንሆ፣ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኩን፣ ፍንፉን ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን፣ በልኩ።

15 ንሱ ኸኣ፣ እንሆ፣ ኣብ ክንዲ ውጽኣት ግዳም ሰብሲ ዒባ ማል እህበካ ኣሎኹ፣ ብእኡ ጌርካ እምጌራካ ኸተብስል ኢኻ፣ በለኒ።

16-17 መሊሱውን፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እንሆ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ንምርኩስ እንጌራ ኽሰብሮ እየ። እንጌራን ማይን ኪስእኑ እዮም እሞ፣ ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪሰትይዎ እዮም። እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ዀይኖም ኪሰትይዎ ኪትክዙ፣ ብሰሪ ኣበሳኦምውን ኪተፍኡ እዮም፣ በለኒ።