ህዝቅኤል 23
1 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣
2 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ክልተ ኣንስቲ፣ ሓንቲ ዘዲኤን ኣዋልድ፣ ነበራ።
3 እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ፣ ኣጥባተን ተጸቕጠ፣ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቅቐ።
4 ኣስማተን ከኣ፣ እታ ዓባይ ኦሆላ፣ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሀላ ነበራ። ናተይ ኰና፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ስማተን ከኣ ኦሆላ ሰማርያ እያ፣ ኦሆሊባ ድማ ኢየሩሳሌም እያ።
5 ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላስ ዘመወት። ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ዀነ።
6 ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸድኑ መሳፍንትን መኳንንትን፣ ኵላቶምውን መልክዔኛታት ኣባጽሕ፣ ኣብ ኣፍራስ ዚቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ።
7 ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከኣ ኣመንዘረት፣ ፍትወት ኣብ እተላዕላ ምስ ኵሎም ጣኦታቶም ድማ ረኸሰት።
8 ምስናይ እዚ ኸኣ ነቲ ምስቶም፣ ብጓላ ኸኣ፣ ምስኣ ዝደቀሱን ድንግል ሕጽና ዝደርቀቑን ዝሙቶም ዝኸዐዉላን ግብጻውያን ምዝማዋ ኣይሐደገትን።
9 ስለዚ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፣ ብፍትወት ምሳታቶም ነዲዳ ዝነበረት፣ ኣብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር መጦኽዋ።
10 ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቀልዑ፣ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፣ ንእኣ ድማ ብሰይፊ ቀተልዋ። ኣብ ማእከል ኣንስቲ ኽፉእ ስም ወጸ፣ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈርደ።
11 ኦሆሊባ ሓብታ ኸኣ እዚ ረኣየት፣ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፣ ምንዝርንኣ ድማ ካብ ምንዝርና ሓብታ በዝሔ።
12 ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር፣ መሳፍንትን፣ ዜሐብን ክዳውንቲ እተኸድኑ፣ ኣብ ኣፍራስ ኣተቐመጡ ፈረሰኛታት፣ ኵሎም መልክዔኛታት ኣባጽሕ፣ ብፍትወት ነደደት።
13 ንሳውን ከም ዝረኸሰት ርኤኹ፣ ክልቲኤን ሓደ መገዲ ኸዳ።
14 ንሳ ግና ብምንዝርንኣ ሓለፍ በለት፣ ኣብ መንደቕ ከኣ ስእሊ ሰብኡት፣ ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተሳኢሉ።
15 ቅናት ኣብ ሕቝኦም ተዐጢቖም፣ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ርእሶም፣ ኵላቶም መኳንንቲ፣ ኣብታ እተወልዱላ ሃገር ከለዳውያን ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዚመስሉ ረኣየት።
16 በዒንታ ምስ ረኣየቶም ኣባታቶም ብፍትወት ነደደት፣ ናብ ሃገር ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም።
17 ደቂ ባቢሎን ከኣ ናብኣ መጹ ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፣ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ። ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፣ ነፍሳ ኻብኦም ኣግለሰት።
18 ዝሙታ ምስ ገለጸት፣ ዕርቃና ምስ ቀልዔት፣ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓብታ ዘግለሰት፣ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት።
19 ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘመንዘረቶ ዘኪራስ፣ ምንዝርንኣ ኣብዝሔት።
20 ምስቶም ዘመውቲ፣ ስጋኦም ከም ናይ ኣድጊ ስጋ፣ ዘርኦም ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዀነ ኸኣ፣ ብፍትወት ነደደት።
21 ከምኡ፣ እቶም ግብጻውያን ኣጥባት ጕርዝነት ከሎኪ ዝደርቀቑኺ፣ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ።
22 ስለዚ ኣቲ ኦሆሊባ፣ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻባታቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ ኸተንስኣልኪ እየ። ኪጻረሩኺ ኸኣ ካብ ኵሉ ወገን ከምጽኦም እየ።
23 ባቢሎናውያንን ኵሎም ከለዳውያንን ጼኮድን ሾዓን ቆዓን፣ ምስኦም ከኣ ኵሎም ኣሶራውያንን፣ መልክዔኛታት ኣባጽሕ፣ መሳፍንትን መኳንንትን ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጥ ሓላቑን ውሩያትን፣
24 ንሳቶም ኣጽዋርን ሰረገላታትን መንኰራዅርን ሒዞም፣ ምስ ብዙሕ ከተቴ ህዝብታት ኪጻረሩኺ ኺመጹ እዮም። ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም ብዙርያኺ ኺቃወሙኺ እዮም። ኣነ ኸኣ ፍርዲ ኽህቦም እየ፣ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ኪፈርዱኺ እዮም።
25 ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፣ንሳቶም ከኣ ብነድሪ ኺመዐቱኺ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ኪቘርጹ እዮም፣ እቲ ኻባኺ ዚተርፍ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ። ነወዳትክን ነዋልድክን ኪማርኽዎም፣ እቲ ኻባኺ ዚተርፍውን ብሓዊ ኪዅመም እዩ።
26 ክዳውንትኺ ኪቕንጥጡኺ፣ ክቡር ስልማትኪ ኺወስዱልኪ እዮም።
27 ኣዒንቲኺ ናባታቶም ቍሊሕ ከይተብልን፣ ድሕርዚ ኸኣ ግብጺ ኸይትዝክርንሲ፣ ነቲ ኻብ ግብጺ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
28 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብ እቶም እትጸልእዮም ነፍስኺ ኻብኦም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፣
29 ብጽልኢ ኺካየዱኺ፣ ዅሉ ጻማ ድኻምኪ ኺወስዱልኪ፣ ዕርቕትን ንውልቅኽን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም። ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ኪግለጽ እዩ።
30 ደድሕሪ ህዝብታት ዒልዒል እናበልኪ ስለ ዝመንዘርኪ፣ ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፣ እዚ ነገር እዚ ኺወርደኪ እዩ።
31 ብመገዲ ሓብትኺ ኸድኪ፣ ስለዚ ኸኣ ኣነ ናታ ጽዋእ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ።
32 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝዀነት ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዩ ኢኺ። ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ መስሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ።
33 እታ ጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያስ ጽዋእ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፣ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ።
34 ኣነ እየ እተዛረብኩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፣ክትሰትይያን ክትጽንቅቕያን ገልዑ ኸኣ ክትነኽስን፣ ኣፍ ልብኺ ድማ ክትስንጥቕን ኢኺ።
35 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ንስኺ ረሲዕክኒ፣ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፣ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ጹሪ።
36 እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ∶ እምብኣርስ ጽያፈን ንገረን።
37 ዘምየን እየን እሞ፣ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፣ ምስ ጣኦታተን ዘምየን፣ ነቶም ንኣይ ዝወለድክዎም ደቀን፣ ሓዊ ኺበልዖምሲ፣ ብእኡ ኣሕለፋኦም።
38 ኣብ ርእሲኡውን እዚ ገበራኒ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣጸየፋ፣ ሰናብተይ ከኣ ኣርከሳ፣
39 ደቀን ንጣኦታተን ምስ ሐርዳኦም፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኼርክስኣ ናብ መቕደሰይ መጻ። እንሆ፣ ኻብ፣ ኣብ ማእከል ቤተይ ከምዚ ገበራ።
40 ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ሰብኡት ለኣኻሎም። ልኡኽ ተላእኮም፣ እንሆ፣ውን መጹ። ተሐጸብክሎም፣ ኣዒንትኺ ተዀሐልክሎም፣ ብስልማትውን ተሰለምክሎም።
41 ኣብ ጽቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ።
42 ኣብኣ ድምጺ ሕጉሳት ሰብ ነበረ። ናብቲ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰብ ሳባ ኻብ በረኻ ኣምጽኡ። ንሳቶም ከኣ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፣ እጹብ ዘውዲውን ኣብ ኣርእስተን ገበሩ።
43 ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝኣረገት፣ ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ፣ በልኩ፣
44 ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዚኣትዉ፣ ናብኣ አተዉ። ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን አተዉ።
45 ጻድቃን ሰባት ከኣ፣ ዘመውቲ ስለ ዝዀና ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፣ ከምቲ ንዘመውቲ፣ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዚፍረደን ገይሮም፣ ኪፈርድወን እዮም።
46 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣኼባ ህዝቢ ኸውጽኣለን እየ እሞ፣ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ።
47 ኣኼባ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልወን፣ በስያፎም ኪቘራርጽወን፣ ነወዳተንን ነዋልደንን ኪቐትልዎም፣ ኣባይተንውን ብሓዊ ኼንድዱ እዮም።
48 ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ኸይገብራ፣ ምእንቲ ኺመዐዳስ፣ ንምንዝርና ኻብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ።
49 ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ኬንብሩልክን እዮም፣ ሓጢኣት ጣኦታትክን ድማ ክትጾራ ኢኽን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።