ኤርምያስ 51

1 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ንባቢሎንን ነቶም ኣብ ማእከል ጸላእተይ ዚነብሩን ዜጥፍእ ንፋስ ከተንስእ እየ።

2 ንባቢሎን ዚምስእይዋ፡ ንሃገራ ኸኣ ዜባድምዋ ጓኖት ክሰደላ እየ። በታ መዓልቲ መዓት ከኣ ብዂሉ ወገን ኪወርዋ እዮም።

3 እቲ ወርዋሪ ነቲ ቐስቲ ዚግትርን ነቲ ብድርዒ ዜጓብብን ቀስቱ ይገትረሎም። ነቶም ኣጒባዛ ድማ ኣይትንሓፍዎም፡ ንዂሉ ጭፍራኣ ኣጥፍእዎ።

4 ኣብ ሃገር ከለዳውያን ከኣ ቅቱላት፡ ኣብ ኣደባባያታ ድማ ውጉኣት ኪወድቁ እዮም።

5 ምንም እኳ ሃገሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እንተ መልኤት፡ እስራኤል ወይስ ይሁዳ ብእግዚኣብሄር፡ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም፡ መበለት ኣይኰኑን።

6 ብሰሪ ዓመጻኣ ኸይትጠፍኡስ፡ ካብ ባቢሎን ህደሙ፡ ነፍሲ ወከፍ ነፍሱ የድሕን። እዚ እቲ ጊዜ ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዝገበረቶ ኺፈድያ እዩ።

7 ባቢሎን ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ንብዘላ ምድሪ እተስክር ጽዋእ ወርቂ ነበረት፡ ህዝብታት ካብ ወይና ሰተዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣህዛብ ዐበዱ።

8 ባቢሎን ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረት። ብኸዩላ፡ ምናልባሽ እንተ ሐወየት ከኣ፡ ነቲ ቓንዛኣ ፈውሲ ኣምጽኡላ።

9 ፍርዲ ኽሳዕ ሰማይ በጽሑ፡ ክሳዕ ደበናውን ደዪቡ እዩ እሞ፡ ንባቢሎን ክነሕውያ ደሌና፡ ግናኸ ኣይሐወየትን። ሕደግዋ፡ ንዑናይ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሃገርና ንኺድ።

10 እግዚኣብሄር ንጽድቅና ኣውጺኡልና እዩ፡ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ጽዮን ነውርዩ።

11 እግዚኣብሄር ሓሳቡ ንባቢሎን ኬጥፍእ ስለ ዝዀነ፡ ንመንፈስ ነገስታት ሜዶን ኣለዓዐሎ። እዚውን ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ሕነ መቕደሱ እዩ እሞ፡ ፍላጻታት ኣብልሑ፡ ዋላቱ ሐዙ።

12 እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ እተናገሮ ኸምቲ ዝሐሰቦ ይፍጽሞ ኣሎ እሞ፡ ኣብቲ መካበብያ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፡ ዘብዔኛታት ኣበርትዑ፡ ሓለውቲ ኣቑሙ፡ ኣድቢኹም ተዳለዉ።

13 ኣቲ ብመዛግባት ዝማዕበልኪ፡ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘሎኺ፡ መወዳእታኺ፡ እቲ መስፈር ስስዔኺ በጺሑ እዩ።

14 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ብርግጽ ከም ብኣንበጣ ብሰብ ክመልኣኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪጭድሩልኪ እዮም፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ።

15 ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ በእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ።

16 ድምጺ ምስ ዜስምዕ፡ ኣብ ሰማይ ማያት ይሀምም፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ።

17 ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እዩ እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽ።

18 ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም።

19 ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝፈጠረ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።

20 ንስኺ ሞደሻይን ኣጻዋር ውግኤይን ኢኺ። ብኣኺ ህዝብታት ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ መንግስትታት ከጥፍእ እየ።

21 ብኣኺ ፈረስን ፈረሰኛን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዚቕመጥን ክጭፍልቕ እየ።

22 ብኣኺ ሰብኣይን ሰበይትን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ኣረጊትን ቈልዓን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክጭፍልቕ እየ።

23 ብኣኺ ጓሳን መጓሲኡን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ሓረስታይን ጽምዲ ኣብዑሩን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ምስለኔታትን መኳንንትን ክጭፍልቕ እየ።

24 ኣነ ኸኣ ንባቢሎንን ንዂሎም እቶም ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዚነብሩን ኲሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ንጽዮን ዝገበርዋ እከይ ክፈድዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

25 ኣታ ንዂላ ምድሪ እተጥፍእ ከረን ጥፍኣት፡ እንሆ፡ ናባኻ እየ፡ ኢደይ ናባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ። ዝሐረረ ኸረንውን ክገብረካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

26 ንሓዋሩ በረኻ ኽትከውን ኢኻ እምበር፡ ካባኻስ እምኒ መኣዝን ወይስ እምኒ መሰረት ዚወስድ የልቦን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

27 ሰንደቕ ዕላማ ኣብታ ሃገር ትኸሉ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት መለኸት ንፍሑ፡ ህዝብታት ንውግእ ኣዳልዉላ፡ መንግስትታት ኣራራትን ሚናን ኣሽከናዝን ኣኽትቱላ፡ መኳንንቲ ሽሙላ፡ ጸጓራት ኣንበጣ ዚመስሉ ኣፍራስ ኣደይቡላ።

28 ህዝብታትን ነገስታት ሜዶንን ምስለኔታትን ኲላቶም መኳንንታን ኲላ እታ ሃገር ግዝኣታን ንውግእ ኣዳልዉላ።

29 እቲ፡ እግዚኣብሄር ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ በረኻ ኺገብራ ኢሉ፡ ንባቢሎን ዝኣመመላ ሓሳብ ይፍጸም ኣሎ እሞ፡ ምድሪ ተንቀጥቅጥን ራዕራዕ ትብልን ኣላ።

30 ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሐዲጎም፡ ኣብ ዕርድታቶም ይቕመጡ ኣለዉ፡ ሓይሎም ጠፊኡ ኸም ኣንስቲ ዀኑ። ኣባይታ ብሓዊ ነደደ፡ መሸጐሪኣ ተሰብረ።

31 ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዂሉ ወገን ከም እተታሕዘት ኬውርየሉስ፡ እቲ ሓደ ጐያዪ ነቲ ሓደ የዃልሞ፡ እቲ ሓደ ልኡኽ ከኣ ነቲ ሓደ ልኡኽ የዃልሞ ኣሎ።

32 መሳጋገሪታት ተታሒዙ፡ ሻምብቖ ኸኣ ነዲዱ፡ እቶም ተዋጋእቲውን ሰምቢዶም ኣለዉ።

33 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ጓል ባቢሎን ከም ኣብቲ ወርሓት ዜኺዱሉ ዓውዲ እያ፡ ቅሩብ ጸኒሑ ኸኣ ጊዜ ቐውዒ ኺመጻ እዩ።

34 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን በልዓኒ፡ ጨፍለቐኒ ባዶ ኣቕሓ ገበረኒ፡ ከም ገበል ወሐጠኒ፡ በቲ ጠጥዑመይ ከብዱ መልኤ ሰጐጐኒውን።

35 እታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘላ፡ ንኣይን ንስጋይን እተገብረ ግፍዒ ናብ ባቢሎን ይውረድ፡ ትበል። ኢየሩሳሌም ከኣ፡ ደመይ ናብቶም ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዚነብሩ ዘለዉ ይውረድ፡ ትበል።

36 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽጣበቐልኪ፡ ሕኔኺ ድማ ክፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ኸንጽፎ፡ ንዔላታት ኸኣ ከንቅጾ እየ።

37 ባቢሎን ድማ ኲምራ እምንን መሳፍሮ ወኻሩን፡ ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ መሰክሕን መላገጽን ክትከውን እያ።

38 ሐቢሮም ከም ኣናብስ ኪጓዝሙ፡ ከም ኰራኲር ኣናብስ ከኣ ሕኒን ኪብሉ እዮም።

39 ምስ ተራሰኑ፡ መስተ ከቕርበሎም እየ፡ ኪሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱን ከቶውን ከይነቕሑንሲ፡ ከስክሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

40 ከም ዕያውትን ከም ደዓውልን ድቤላታትን ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።

41 ሼሻኽ ከመይ ኢላ ተታሕዘት፡ እዛ ውዳሰ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላ ተታሕዘት፡ እዛ ውዳሰ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላ ተሳዕረት፡ ባቢሎን ከመይ ኢላ ኣብ ማእከል ህዝብታት መስደመሚ ዀነት።

42 ባሕሪ ናብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፡ ንሳ ብምብርታዕ ማዕበሉ ተኸድነት።

43 ከተማታታ ኸኣ ምድሪ በዳን ንቑጽ ምድርን በረኻን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ፡ ወሉድ ሰብውን ብእኣ ዘይሐልፍ ሃገርን ኰነት።

44 ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐጽዖ፡ ነቲ ዝወሐጦ ድማ ካብ ኣፉ ኸውጽኦ እየ። ድሕርዚ ድማ ህዝብታት ኣብኣ ኣቢሎም ኣይኪውሕዙን እዮም። ቀጽሪ ባቢሎንውን ይወድቕ።

45 ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ ማእከላ ወጹ። ካብቲ ጒሁር ቊጥዓ እግዚኣብሄር ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ነፍሱ የድሕን።

46 በዚ ዓመት እዚ ሓደ ወረ ኺውረ፡ በቲ ዳሕራይ ዓመት ድማ ካልእ ወረ ኺውረ፡ ኣብ ሃገር ከኣ ዓመጻ ኺስልጥን፡ ገዛኢውን ኣብ ገዛኢ ኺለዐል እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይምለቚ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ዚስማዕ ወረ ኸኣ ኣይትፍርሁ።

47 ስለዚ፡ እንሆ፡ ነቲ ቕሩጽ ምስልታት ባቢሎን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ኲሉ ሃገራ ኸኣ ኪሐፍር እዩ፡ ኲላቶም ቅቱላቱውን ኣብ ማእከል ኺወድቁ እዮም።

48 እቶም መጥፋእቲ ካብ ሰሜን ኪመጽዋ እዮም እሞ፡ ሰማይን ምድርን ኣብኦም ዘሎ ዂሉን ብዛዕባ ባቢሎን እልል ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

49 ከምዚ ባቢሎን ንቕቱላት እስራኤል ዘውደቐቶም፡ ከምኡውን ቅቱላት ኲላ ምድሪ ኣብ ባቢሎን ኪወድቁ እዮም።

50 ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ፡ ጠጠው ኣይትበሉ፡ ካብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፡ ንኢየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ።

51 ጸርፊ ሰማዕና እሞ፡ ሐነኽና፡ ጓኖት ኣብቲ ቅዱስ ስፍራታት ቤት እግዚኣብሄር መጺኦም እዮም እሞ፡ ነውሪ ንገጽና ኣጐልበቦ።

52 ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ነተን ቅሩጽ ምስልታታ ዝቐጽዓለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ እቶም ንሞት ዜዋልኡ ውጉኣት ከኣ ኣብ ኲሉ ሃገራ ኺበኽዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

53 ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበት፡ ሓይላ ኸኣ ኣብ ላዕሊ እኳ እንተ ኣጽንዔት፡ መጥፋእቲ ኻባይ ኪመጽዋ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

54 ጭድርታ ኻብ ባቢሎን፡ ዓብዪ ምፍራስ ካብ ሃገር ከለዳውያን ይስማዕ ኣሎ።

55 እግዚኣብሄር ንባቢሎን የዕንዋ፡ ነቲ ብርቱዕ ደሃይ ድማ ካብኣ የጥፍኦ ኣሎ እሞ፡ ማዕበሎም ከም ብዙሕ ማያት ይሀምም፡ ጭራሕምራሖም ከኣ ይስማዕ ኣሎ።

56 እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኣምላኽ ምፍዳይ፡ ብርግጽ መስጣ ዚህብ እዩ እሞ፡ ኣብአ ናብ ባቢሎን መጥፍኢ መጺኡ፡ ጀጋኑኣ ተታሒዞም፡ ቀስትታቶም ተሰባቢሩ እዩ።

57 ኣነ ኸኣ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፡ ንምስለኔታታን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣንሲ ንሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱን ከቶውን ከይነቕሑን ከስክሮም እየ፡ ይብል እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ።

58 እቲ ገፊሕ ቀጽርታት ባቢሎን ጥራስ ኪፈርስ፡ እቲ ነዊሕ ልዳውታ ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኺዐዩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንሓዊ ኺደኽሙ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

59 እቲ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንሰራያ ወዲ ኔርያ ወዲ ማህሰያ፡ ምስ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ናብ ባቢሎን ምስ ከደ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ። ሰራያ ኸኣ ሓለቓ ዝፋን ቤት ነበረ።

60 ኤርምያስ ከኣ ንዂሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዚወርድ መዓት፡ ማለት ኲለን እተን ብዛዕባ ባቢሎን እተጻሕፋ ቓላት ኣብ ሓደ መጽሓፍ ጸሐፈን።

61 ኤርምያስ ድማ ንሰራያ በሎ፡ ኣብ ባቢሎን ምስ ኣቶኻ፡ ኲለን እዘን ቃላት ከተንብበን መዝኻ እዩ፡

62 በልውን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፡ ሰብ ወይስ እንስሳ፡ ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ፡ ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትኸውን ኢልካ ተዛረብካ።

63 ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካያ፡ እምኒ እሰረላ፡ ኣብ ማእከል ኤፍራጥስ ደርብያ እሞ፡

64 ከምዚ ዀይና ባቢሎን በቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት ክትሰጥም፡ መሊሳውን ኣይክትትንስእን እያ፡ ኪደኽሙ ድማ እዮም፡ ኢልካ ተዛረብ። ክሳዕ እዚ ቓላት ኤርምያስ እዩ።