ኤርምያስ 27

1 ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ኸምዚ ዚብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡

2 እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ መእሰርን ኣርዑትን ንኣኻ ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።

3 ንእኡ ኸኣ ናብ ንጉስ ኤዶምን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶንን በቶም ናብ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ ልኡኻት ጌርካ ስደዶ።

4 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢሎም ንጐይተቶም ኪነግርዎም ኣዝዞም፡ ንጐይተትኩም ከምዚ በልዎም፡

5 ኣነ እየ፡ በቲ ዓብዪ ስልጣነይን በታ ዝርግሕቲ ቕልጽመይን ገይረ፡ ንምድርን ነቶም ኣብ ዝባን ምድሪ ዚነብሩ ሰብን እንስሳን ዝገበርኩ፡ ቅኑዕ ኰይኑ ንዝተራእየኒ ድማ እየ ዝህባ።

6 እምበኣርሲ ዂለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ኢድ ግዙኤይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን፡ እንስሳ መሮርውን ኪግዝእዎ ሂበዮ እየ።

7 ኲሎም ህዝብታት ከኣ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ኪግዝእዎ እዮም። እዚ ድማ፡ ጊዜ ሃገሩ ኽሳዕ ዚበጽሕ እዩ። ሽዑ ብዙሓት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ግዙእ ኪገብርዎ እዮም።

8 ኪኸውን ድማ እዩ። እቲ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ፡ ክሳዱ ኸኣ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ዘየብል ህዝብን መንግስትን፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣነ ብኢዱ ገይረ ኽሳዕ ዘጥፍኦ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክቐጽዖ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

9-10 ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ክትጠፍኡንሲ፡ ካብ ሃገርኩም ኬርሕቑኹም ኢሎም እዮም ሓሶት ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ንስኻትኩም ነቶም፡ ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትኩምን ዚፈልጡልኩምን ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም።

11 ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሳዱ ለጠቕ ዜብልን ዚግዚኦን ህዝቢ ግና ኣብ ሃገሩ ኽሐድጎ እየ፡ ኪሐርሳን ኣብኣ ኺነብርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

12 ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ከም ኲለን እዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ፡ ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ኣብሉ፡ ንእኡን ንህዝቡን ከኣ ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፡ ኢለ ነገርክዎ።

13 ስለምንታይ ኢኹም፡ ንስኻን ህዝብኻን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ንንጉስ ባቢሎን ዘይተገዝኤ ህዝቢ እተዛረቦ ዄንኩም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን እትሞቱ?

14 እቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትሲ:ሓሶት እዮም ዚንበይልኩም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ።

15 ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፡ ንስኻትኩምን እቶም ዚንበዩልኩም ነብያትን ድማ ክትጠፍኡስ፡ ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፡ ኣነ ኣይለአኽክዎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

16 ንኻህናትን ንዂሉ እዚ ህዝቢ እዝን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢለ ኸኣ ተዛረብኩ፡ እንሆ፡ እቲ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ሕጂ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ኪምለስ እዩ፡ ኢሎም ዚንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትኩምሲ፡ ሓሶት እዩ ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ።

17 ኣይትስምዕዎም። ብህይወት ክትነብሩስ፡ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ ትዖኑ፡

18 ነብያት እንተ ዀይኖም፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ደኣ ኣልይዎምሲ፡ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ይለምኑ።

19-20 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ንዂላቶም ጭዋታት ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ኪማርኾም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ባቢሎን ዘይወስዶ ኣዕኑድን ባሕርን መናብርን ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፉ ዘሎ ዂሉ ኣቓሑን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡

21 እምበኣርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑስ እግዚኣብሄር፡ ጎይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡

22 ናብ ባቢሎን ኪውሰድ፡ ክሳዕ ኣነ ዝዝክሮ መዓልቲ ከኣ ኣብኡ ኽጸንሕ እዩ፡ ናብዚ ስፍራ እዚውን ከውጽኦን ክመልሶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።