ኤርምያስ 38
1 ወፋጥያ ወዲ መታንን ገዳልያ ወዲ ጳሽሑርን ዩካል ወዲ ሸልማያን ጳሽሑር ወዲ መልክያን ነቲ ኤርምያስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢሉ ንዂሉ ህዝቢ እተዛረቦ ቓላት ሰምዑ፡
2 ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚቕመጥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪመውት እዩ፡ ናብ ከለዳውያን ዚኣቱ ግና ብህይወት ኪነብር፡ ነፍሱ ድማ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ፡ ብህይወት ከኣ ኪነብር እዩ፡
3 እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግጽ ኣብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትውፈ እያ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4 እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ነቲ ንጉስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ጒድኣት እዚ ህዝቢ እዚ እምበር፡ ደሓኑ ዘይደሊ ስለ ዝዀነ፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓላት እናተዛረቦም፡ ኣእዳው እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፡ ኣእዳው ኲሉ ህዝብን የድክም ኣሎ እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣቕትሎ ደኣ፡ በሉ።
5 ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ፡ ንጉስ ኪገጥመልኩም ኣይክኣሎን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፡ በለ።
6 ሽዑ ንኤርምያስ ወሲዶም፡ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ዔላ ናይ መልክያ ወዲ ሃሜሌክ ደርበይዎ፡ ንኤርምያስ በግማድ ገይሮም ኣውረድዎ። ኣብቲ ዔላውን ጭቃ እምበር፡ ማይ ኣይነበረን እሞ ኤርምያስ ኣብቲ ጭቃ ተዋሕጠ።
7 እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዔብድ - ሜሌክ ንኤርምያስ ናብታ ዔላ ኸም ዘእተውዎ ሰምዔ፡ - ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ነበረ፡
8-9 ዔብድ - ሜሌክ ከኣ ካብ ቤት ንጉስ ወጺኡ፡ ንንጉስ፡ ኣታ ጐይታይ ንጉስ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናብ ዔላ ዝደርበይዎ ነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎ ዂሉስ እከይ ገይሮም ኣለዉ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ኪመውት እዩ፡ ኢሉ ነገሮ።
10 እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ - ሜሌክ፡ ካብዚ ሰላሳ ሰብኣይ ተማላእ እሞ ንነብዪ ኤርምያስ ከይሞተ ኻብታ ዔላ ኣውጽኣዮ፡ ኢሉ ኣዘዞ።
11 ዔብድ - ሜሌክ ከኣ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፡ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤት መዝገብ ኣትዩ፡ ካብኣ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብታ ዔላ ናብ ኤርምያስ ኣውረዶ።
12 እቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ - ሜሌክ ድማ ንኤርምያስ፡ እዚ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ ትሽትሽካ ኣብ ትሕቲ ኣግማድ ግበሮ፡ በሎ። ኤርምያስ ከኣ ከምኡ ገበረ።
13 ንሳቶም ድማ ንኤርምያስ በግማድ ስሒቦም ካብቲ ዔላ ኣውጽእዎ። ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
14 ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኸ፡ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ናብኡ ኣምጽኦ። እቲ ንጉስውን ንኤርምያስ፡ ሓንቲ ነገር ዝሐተካ ኣላትኒ እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብኣለይ፡ በሎ።
15 ኤርምያስ ድማ ንጼድቅያስ፡ እንተ ነገርኩኻ፡ ብርግጽዶ ኣይትቐትለንን ኢኻ? እንተ መኸርኩኻ ኸኣ፡ ኣይክትሰምዓንን ኢኻ፡ በሎ።
16 ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ንኤርምያስ፡ ከይቀትለካን ኣብ ኢድ እዞም ነፍስኻ ዚደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸይህበካን፡ እዛ ነፍሲ እዚኣ ዝገበረልና እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሉ ብሕቡእ መሐለሉ።
17-18 ሽዑ ኤርምያስ ንጼድቅያስ፡ ወጺእካ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኸድካ፡ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይክትነድድን እያ፡ ንስኻን ቤትካን ከኣ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግናኸ ወጺእካ ናብ መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይከድካ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ከለዳውያን ክትውፈ፡ ንሳቶም ከኣ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም፡ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኢሉ ነገሮ።
19 ንጉስ ጼድቅያስ ድማ ንኤርምያስ፡ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ከለዳውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ ኣሕሊፎም ከይህብኒ እሞ ከየላግጹለይ እፈርህ ኣሎኹ፡ በሎ።
20 ኤርምያስ ከኣ፡ ኣሕሊፎም ኣይኪህቡኻን እዮም፡ በለ። ኪቐንዓካ ነፍስኻውን ብህይወት ክትነብርሲ፡ ኣብዛ ኣነ ዝብለካ ዘሎኹ ቓል ንድምጺ እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ።
21 ኣይወጽእን ኢልካ እንተ ኣቤኻ ግና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ነገር እዚ እዩ፡
22 እንሆ፡ ኲለን እተን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኬውጽእወን እዮም እሞ፡ ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፡ ኣእጋርካ ኣብ ተኺላ ተሸርባ፡ ንሳቶም ከኣ ኣድሐርሐሩ፡ ኪብላ እየን።
23 ኲለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ከለዳውያን ኬውጽእዎም እዮም፡ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትትሐዝ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሰርኻ ብሓዊ ኽትነድድ እያ፡ በለ።
24 ሽዑ ጼድቅያስ ንኤርምያስ፡ ከይትመውትሲ፡ ነዘን ቃላት እዚኤን ሓደ እኳ ኣይፍለጠን፡ በሎ።
25 እቶም መሳፍንቲ ምሳኻ ኸም እተዛረብኩ እንተ ሰምዑ፡ ናባኻ መጺኦም ድማ፡ ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ፡ እቲ ንጉስ ድማ እንታይ ከም ዝበለካ ኸይሐባእካ ንገረና እሞ ኣይክንቀትለካን ኢና። እንተ በሉኻ፡
26 ንስኻ ድማ፡ ኣብኣ ኸይመውትሲ ናብ ቤት ዮናታን ከም ብሓድሽ ኣይትምለሰኒ፡ ኢለ እየ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዝለመንኩ፡ በሎም።
27 ኲሎም እቶም መሳፍንቲ ናብ ኤርምያስ መጺኦም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ ከምተን እቲ ንጉስ ዝኣዘዘን ኲለን ቃላት ገይሩ ተዛረቦም። እቲ ነገር ኣይተሰምዔን ነበረ እሞ፡ ትም ኢሎም ከዱሉ።
28 ኤርምያስ ድማ ክሳዕ እታ ኢየሩሳሌም እተታሕዘትላ መዓልቲ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጡ ነበረ። ኢየሩሳሌም ክትትሐዝ ከላ ኸኣ ኣብኣ ነበረ።