ኤርምያስ 34
1-2 እቲ ፡ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኲሉ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዚግዝኡ ዂሎም መንግስትታት ምድርን ኲሎም ህዝብታትን ምስ የሩስሌምን ምስ ኲለን ከተማታታን ኪዋግኡ ኸለዉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ፡ ናብ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ፡ እግዚኣህቤር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክውፍያ እየ፡ ንሱውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።
3 ንስኻ ኸኣ ብርግጽ ተታሒዝካ፡ ናብ ኢዱ ኽትውፈ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዱ ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ ኣዒንትኻ ነዒንቲ ንጉስ ባቢሎን ኪርእያ እየን፡ ኣፍ ንኣፍ ድማ ኪዛረበካ እዩ፡ ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ።
4 ግናኸ፡ ኣታ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ፡ ብሰይፊ ኣይክትመውትን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ።
5 እዚ ቓል እዚ ኣነ እየ እተዛረብክዎ እሞ፡ ብሰላም ክትመውት ኢኻ፡ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት፡ ኣቦታትካ፡ ዝዐጠኑሎም፡ ከምኡ ኸኣ ኪዐጥኑልካ፡ ዋይ ጐይታየ፡ እናበሉ ድማ ኬልቅሱልካ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6-7 ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዂላተን ከተማታት ይሁዳን፡ ማለት ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዐሪደን ተሪፈን ዝነበራ ላኪሽን ኣዜቃን፡ ኪዋጋእ ከሎ፡ ሽዑ ነብዪ ኤርምያስ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኲለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ።
8 ንጉስ ጼድቅያስ ሓርነት ኪእውጅ ኢሉ ምስ ኲሉ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ህዝቢ ኺዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ።
9 እቲ ኺዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡን፡ ነፍሲ ወከፍ ነንስተይቲ ባርያኡን፡ እብራውን እብራዊትን፡ ሓራ ኼውጽእ፡ ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ፡ ነቲ ሓዉ፡ ባርያ ኸይገብሮ ዚብል እዩ።
10 እቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡን ነፍሲ ወከፍ ነንስተይቲ ባርያኡን ሓራ ኼውጽኡ ድሕርዚ ኸኣ ባሮት ከይገብርዎም ኪዳን ዝኣተዉ ዂሎም መሳፍንትን ኲሎም ህዝብን ተኣዘዙ፡ ተኣዘዙ ሓራውን ኣውጽእዎም።
11 ደሓር ግና መሊሶም፡ ነቶም ሓራ ኣውጺኦምዎም ዝነበሩ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከም ብሓድሽ ኣምለስዎም፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም።
12 ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡
13 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩላ መዓልቲ ምሳታቶም ኪዳን ኣቶኹ፡ በልክዎም ከኣ፡
14 ሾብዓተ ዓመት ምስ ተፈጸማ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ኣባኻ እተሸጠ እሞ ሹድሽተ ዓመት እተገዝአካ እብራዊ ሓውካ ካባኻ ሓራ ኣውጽኣዮ። ግናኸ ኣቦታትኩምሲ ኣይሰምዑንን በእዛኖምውን ጽን ኣይበሉን።
15 ንስኻትኩም ሎሚ ተመለስኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ሓራ ምውጻእ ብምእዋጁ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ድማ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣቶኹም።
16 ግናኸ ከም ብሓድሽ ተመለስኩም፡ ንስመይ ድማ ኣርከስኩምዎ፡ ነቶም ሓራ ኣውጺእኩም ከም ድላዮም ይኺዱ ዝፈኖኹምዎም ነፍሲ ወከፍኩም ንተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከኣ ገዛእኩምዎም።
17 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኩምንን። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንሰይፍን ንፌራን ንጥሜትን ሓርነት እእውጀልኩም ኣሎኹ፡ ንዂሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኰኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18 ኣነ ነቶም ኪዳነይ ዘፍረሱ፡ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸኣ ሐሊፎም፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓላት ኪዳን ዘይሐለዉ ሰባት፡
19 ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሐለፉ መሳፍንቲ ይሁዳን መሳፍንቲ ኢየሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን ኲሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፡
20 ነዚኣቶም ኣብ ኢድ ጸላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ።
21 ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ናብ ኢድ ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩ ሰባትን ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሐቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
22 እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ። ንሳቶም ኪዋግእዋ፡ ኪሕዝዋ፡ ብሓዊ ድማ ኬንድድዋ እዮም። ነተን ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ምድረ በዳ ኽገብረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።