ኤርምያስ 44

1 ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዝነበሩ፡ ኣብ ሚግዶል፡ ኣብ ታህጳኔስ፡ ኣብ ኖፍ፡ ኣብ ሃገር ጳጥሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድ፡ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ፡

2-3 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሰሪ እቲ፡ - ንሳቶም ኰነ፡ ንስኻትኩም ኰነ፡ ኣቦታትኩም ኰነ፡ - ንዘይፈለጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኼገልግሉን ዕጣን ኪዐጥኑን እናኸዱ ኼቑጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዂሉ ኽፍኣቶም፡ ኲሉ እቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳን ዘውረድክዎ ዂሉ መዓት ርኢኹምዎ ኣሎኹም። እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ባዲመን፡ ሓደ እኳ ዚነብረለን የልቦን።

4 ኣነስ ንዂላቶም ባሮተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ እዚ ዝጸልኦ ዘሎኹ ርኹስ ነገር ኰታ ኣይትግበሩ፡ ኢለ ኣንጊሄ ለኣኽኩ።

5 ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኪሐድጉ፡ ካብ ክፍኣቶም ድማ ኪምለሱ ኣይተኣዘዙን፡ ኣእዛኖም ከኣ ጽን ኣየበሉን።

6 ስለዚ ድማ ቊጥዓይን ኲራይን ተኻዕወ፡ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ነደደ። ንሳተን ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይነናኦ ዘለዋ፡ ዑናን ምድረ በዳን ኰና።

7-8 ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመጻእኩምዋ ሃገር ግብጺ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም ብግብሪ ኢድኩም እናኣዀሬኹምኒ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ዕሸልን ሓደ እኳ ኸይተረፈ ኻብ ማእከል ይሁዳ ኽትጸንቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መጻረፍን ኴንኩም ክትጸንቱስ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ነፍስኹም ክንድዚ ዓብዪ እከይ እትገብሩ ዘሎኹም?

9 ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርዎ ኽፍኣት ኣቦታትኩምን ነቲ ኽፍኣት ነገስታት ይሁዳን ነቲ ኽፍኣት ኣንስቶምን ነቲ ኽፍኣትኩምን ነቲ ኽፍኣት ኣንስትኹምንዶ ረሲዕኩምዎ ኢኹም?

10 ክሳዕ ሎሚ ኣይተደቚሱን፡ ኣይፈርሁን፡ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይተመላለሱን።

11 ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንመዓትን ንዂሉ ይሁዳ ኸጽንትን ገጸይ ናባኻትኩም ክመልሶ እየ።

12 ነቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ኪቕመጡ ኢሎም ናብኣ ኺግዕዙ ገጾም ዝመለሱ ተረፍ ይሁዳ ኽወስዶም እየ እሞ ኲሎም ኪዂመሙ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺወድቁ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪሞቱ እዮም። ንመሰክሕን ንመስደመምን ንመጻረፍን ከኣ ኪዀኑ እዮም።

13 ከምቲ ንኢየሩሳሌም ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ዝቐጻዕክዋ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጦም ዘለዉ ክቐጽዖም እየ።

14 ብጀካ ገለ ህዱማት ኣይኪምለሱን እዮም እሞ፡ ካብቶም ናብ ሃገር ይሁዳ ኺነብሩ ኢሎም ናብኣ ኺምለሱ እናናፈቑ፡ ናብ ሃገር ግብጺ ኣብኣ ኪቕመጡ ኢሎም ዚመጹ ተረፍ ይሁዳ ሓደ እካ ዜምልጥ ወይስ ዚተርፍ የልቦን።

15 ሽዑ ዂሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዚዐጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን ኲለን እተን ኣብኣ ቘይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ጳጥሮስ ዚቕመጥ ህዝብን ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡

16 እቲ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዓካን ኢና።

17 ግናኸ ከምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን መሳፍንትናን ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ እሞ ሽዑ እንጌራ ንጸግብ፡ ደሓን ንነብር፡ መዓትውን ኣይንርእን ዝነበርና፡ ንሕና ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ክንዐጥን መስዋእቲ መስተ ድማ ንእኣ ኸነቕርብ ኢልና ዂሉ እቲ ኻብ ኣፍና ዝወጸ ቓል ብርግጽ ክንገብሮ ኢና።

18 ግናኸ ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ ንእኣ ምኽዓውን ምስ ሐደግና፡ ኲሉ ነገር ጨነቐና። ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።

19 ንንግስቲ ሰማይ እናዐጠንናን መስዋእቲ መስተ እናኸዖናላን፡ ነቲ ብምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጌራን ነቲ ዘቕረብናላ መስዋእቲ መስተን ብዘይ ፍቓድ ሰብኡትናዶ ኢና ዝገበርናዮ?

20 ሽዑ ኤርምያስ ንዂሉ ህዝቢ፡ ነቶም ሰብኡትን ነተን ኣንስትን፡ ንዂሉ እቲ ምላሽ ዝሀቦ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

21 ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን መሳፍንትኹምን ህዝቢ እታ ሃገርን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝዐጠንኩምዎ ዕጣንዶ ኣይኰነን እግዚኣብሄር ዘኪርዎ ኣብ ልቡ ኸኣ ትዝ ኢልዎ ዘሎ?

22 እግዚኣብሄር ከኣ ብሰሪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰሪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ካብዚ ንንየው ኪዕገስ ኣይከኣለን። ስለዚ ሃገርኩም ከምዚ ሎሚ ዀይናቶ ዘላ ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ ምድረ በዳን መሰክሕን መራገመን ኰነት።

23 ዕጣን ስለ ዝዐጠንኩምን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፡ ስለዚ እዩ ኸምዚ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ፡ እዚ መዓት እዚ ዝወረደኩም።

24 ኤርምያስ ድማ ንዂሉ እቲ ህዝብን ንዂለን እተን ኣንስትን፡ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘሎኹም ኲላትኩም ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡

25 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን፡ ንንግስቲ ሰማይ ክንዐጥን፡ መስዋእቲ መስተ ኽንክዕወላ፡ እተመባጻዕናዮ መብጽዓና ብርግጽ ክንፍጽሞ ኢና፡ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛሪብኩምዎ፡ በእዳውኩም ከኣ ፈጺምኩምዎ ኢኹም። ሕራይ፡ መብጽዓኹም ፈጽሙ፡ መብጽዓኹም ከኣ መልኡ።

26 ስለዚ ኣቱም ኣብ ሃገር ግብጺ ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኲልኹም ሰብ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲላ ሃገር ግብጺ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ፡ ኢሉ ብኣፍ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕርዚ ኸይስመ፡ በታ ዓባይ ስመይ እምሕል ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

27 እንሆ፡ ኣነ ንሕሰም እምበር፡ ንደሓን ዘይኰነ ኽተግሃሎም እየ እሞ፡ ኲላቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዘለዉ ሰብ ይሁዳ ብሰይፍን ብጥሜትን ጥራስ ክሳኦ ዚውድኡ ኺጠፍኡ እዮም።

28 እቶም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ኻብ ሃገር ግብጺ ናብ ሃገር ይሁዳ ሒደት ኰይኖም እዮም ዚምለሱ። ኲሎም እቶም ኣብኣ ኪቕመጡ ናብ ሃገር ግብጺ ዝመጹ ተረፍ ይሁዳ፡ ናተይ ወይስ ናቶም፡ ኣየናይ ቃል ክውን ከም ዝዀነ ኪፈልጡ እዮም።

29 ቃላተይ ብዛዕባኹም ርግጽ ንሕሰምኩም ከም ዚቐውም ክትፈልጡስ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ እዚ ኸኣ ምልክት ኪዀነኩም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

30 እንሆ፡ ከምቲ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ጸላኢኡን ነፍሱ ዚደሊ ዝነበረን ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሀብክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንፈርኦን ሆፍራ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኢድ ጸላእቱን ኣብ ኢድ እቶም ነፍሱ ዚደልዩን ክህቦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።