ኤርምያስ 46
1 እታ ብዛዕባ ህዝብታት ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸት ቃል እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፡
2 ብዛዕባ ግብጺ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዐሮ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ።
3 ዋልታን ገለብን ኣዳልዉ፡ ናብ ውግእ ከኣ ድፍኡ።
4 ኣቱም ፈረሰኛታት፡ ነቶም ኣፍራስ ጽዐንዎም እሞ ስረርዎም። ቊራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ኣእትዉ፡ ኲናውቲ ወላውሉ፡ ድርዒውን ልበሱ።
5 ስለምንታይ ደኣ ሰምቢዶም ንድሕሪት ዚምለሱ ዝርኢ ዘሎኹ፡ ጀጋኑኦም ተሰባበሩ፡ ንድሕሪት ግልጽ ከይበሉውን ሀደሙ። ኣብ ኲሉ ወገን ረዓድ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6 እቲ ጐያዪ ኣይህደም፡ እቲ ጅግና ኣየምልጥ። ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰንከልከል በሉን ወደቑን።
7 እቲ ኸም ኒል ዚድይብ፡ ማያቱ ኸኣ ከም ወሓዚ ዚናወጽሲ መን እዩ?
8 ግብጺ እዩ ኸም ኒል ዚድይብ፡ ማያቱ ድማ ከም ወሓዚ ዚናወጽ። ንሱውን፡ ኣነ ኽድይብ፡ ንምድሪ ክኸድና። ነተን ከተማታትን ኣብኤን ዚነብሩን ከኣ ከጥፍእ እየ፡ ይብል ኣሎ።
9 ኣቱም ኣፍራስ፡ ውጹ፡ ኣቱም ሰረገላታት፡ ውረሩ። እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ዚሕዙ ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንን ቀስቲ ዚሕዙን ዚግትሩን ሉዳውያንን ይውጽኡ።
10 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ መስዋእቲ ሕሩድ ኣለዎ እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተጻረርቱ ሕነ ምእንቲ ኺፈድዮም፡ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ። እቲ ሰይፊ ኸኣ ኪዀምምን ኪጸግብን፡ ብደሞም ድማ ኪሰክርን እዩ።
11 ኣቲ ድንግል ጓል ግብጺ፡ ናብ ጊልኣድ ደይቢ፡ ቅዲት ከኣ ውሰዲ። ንኸንቱ ኣፋውስ ተብዝሒ ኣሎኺ፡ ኣየሕውየክን እዩ።
12 ህዝብታት ነውርኺ ይሰምዑ፡ ብኣውያትኪ ኸኣ ምድሪ ትመልእ ኣላ። ጅግና ኣብ ርእሲ ጅግና ተጐዝጒዙ ይዝዞ እሞ፡ ክልቲኦም ሐቢሮም ይወድቁ።
13 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከም ዚመጽእ ንሃገር ግብጺ ኸኣ ከም ዚወቕዓ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ ዝነገሮ ቓል እዚ እዩ፡
14 ሰይፊ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዀሚምዎ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ተሰለፍውን፡ ኢልኩም ኣብ ግብጺ ንገሩ፡ ኣብ ሚግዶል ኣስምዑ፡ ኣብ ኖፍን ኣብ ታህጳኔስን ኣስምዑ።
15 ስለምንታይ ጀጋኑኻ ኣብ ምድሪ ጻሕ በሉ? እግዚኣብሄር ደፊእዎም እዩ እሞ፡ ኪቘሙ ኣይከኣሉን።
16 ንሱ ንብዙሓት ሰንከልከል ኣበሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ድማ ወደቑ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዚ ዚጭኲን ሰይፊ ናብ ህዝብናን ናብታ እተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ፡ በሉ።
17 ኣብኡ ኸኣ፡ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ጠፊኡ፡ እቲ ምዱብ ጊዜውን ኣሕሊፎዎ፡ ኢሎም ጨደሩ።
18 እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከም ታቦር ኣብ ኣኽራን፡ ከም ቀርሜሎስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኺመጽእ እዩ።
19 ኖፍ ምድረ በዳ ኽትከውን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ ዀይና ኽትነድድ እያ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ግብጺ እትነብሪ ዘሎኺ ጓል፡ ንምምራኽ ኣቓሑኺ ኣዳልዊ።
20 ግብጺ ምልምል ኣርሒ እያ፡ መጥፍኢኣ ይመጽእ። ካብ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ።
21 እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዓስቢ ዓሳብ ድማ ከም ስቡሓት ኣርሒ እዮም። መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ጊዜ ቕጽዓቶም ወሪድዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶምውን ኲላቶም ግልብጥ ኢሎም ሀደሙ ኣይቈሙን ከኣ።
22 ምስ ጭፍራ ይመጹ፡ ከም ፈለጽቲ ዕጨይቲ ድማ ብምሳውርቲ ይወርዋ ኣለዉ እሞ፡ ደሃያ ኸም ናይ ተመን ኰይኑ ይስማዕ ኣሎ።
23 ንሳቶም ኪቚጸሩ ዘይከኣሉ፡ ካብ ኣንበጣ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ነዚ ዘይሕለፍ ዱር ይቘርጹ ኣለዉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
24 ጓል ግብጺ ነወረት፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ተወፈየት።
25 እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ንኣሞን ካብ ኖን ንፈርኦንን ንግብጽን ንኣማልኽታን ንነገስታታን፡ ከምኡውን ንፈርኦንን ነቶም ዚውከልዎን ክቐጽዖም እየ፡ ይብል ኣሎ።
26 ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩ፡ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ባሮቱን ከሕልፎም እየ። ድሕርዚ ግና ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረ ኺነብሩላ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
27 እምበኣርሲ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣታ እስራኤል፡ ኣይትሰምብድ። እንሆ፡ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፡ ንዘርእኻ ድማ ካብታ ተማሪኾምዋ ዘለዉ ሃገር ከድሕነኩም እየ እሞ፡ ያእቆብ ኪምለስ፡ ኪዐርፍን ኪሀድእን እዩ፡ ዜሰምብዶ ድማ የብሉን።
28 ኣታ ባርያይ ያእቆብ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ንዂሎም እቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ህዝቢ ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን እየ፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝቐጽዓካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ እኳ ኣይሐድገካን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።