ማርቆስ 3
1 ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።
2 ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ።
3 ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ።
4 ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ።
5 በቲ ድርቅና ልቦም ጕህዩ፡ ብዅራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት።
6 ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ።
7 ኢየሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።
8 ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ ኢየሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ።
9 ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼጽንሑሉ ነገሮም።
10 ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ምእንቲ ኺትንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ።
11 ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ።
12 ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም።
13 ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ።
14 ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡
15 ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም።
16 ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡
17 ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጻሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ።
18 እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሚዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡
19 እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ፡
20 ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዚስእኑ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ።
21 ኣዝማዱ ምስ ሰምዑኡ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ።
22 ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜቡል ኣለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ።
23 ኢየሱስ ጸውዖም፡ ብምስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ኬውጽኦ ይዀነሉ፧
24 መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ።
25 ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።
26 ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን።
27 ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘቡ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ።
28 ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ።
29 እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢያቱ ንዘለኣለም ይዅንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
30 ርኹስ መንፈስ ኣለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም።
31 ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለኣኹሉ።
32 ብዙሕ ህዝቢ ኺቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ይደልይኻውን ኣለዉ፡ በልዎ።
33 መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፡ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም።
34 ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ።
35 ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዅሉ እዩ፡ በሎም።