ማርቆስ 15

1 ምስ ወግሔ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ምኽሪ መኸሩ፡ ንኢየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፡ ኣሕሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሃብዎ።

2 ጲላጦስ ድማ። ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ፡ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

3 ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ ብዙሕ ከሰስዎ።

4 ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ ፥ እንሆ፡ ክንደይ ይኸሱኻ ኣለዉ። እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፡ ኢሉ ሐተቶ።

5 ኢየሱስ ግና፡ ጲላጦስ ክሳዕ ዚግረም፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።

6 በብበዓል ድማ ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሓሎም ነበረ።

7 ምስቶም ጋሮ ዝገበሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተለ፡ በርባን ዚብሃል ተኣሲሩ ነበረ።

8 እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፡ ከምታ ልማዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ።

9-10 ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ ፥ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።

11 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ኪፈትሓሎም ኪልምኑ ኣዕገርገርዎም።

12 ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ ፥ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።

13 ንሳቶም ግና ፥ ስቐሎ፡ ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ።

14 ጲላጦስ ከኣ ፥ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ፥ ስቐሎ፡ በሉ።

15 ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኺገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንኢየሱስ ከኣ ኪስቀል ገሪፉ ሃቦም።

16 እቶም ዓቀይቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ገዛ፡ ማለት ናብቲ ኣዳራሽ ፍርዲ፡ ኣእተውዎ። ንብዘሎ እቲ ጭፍራውን ኣኻኸብዎ።

17 ቀይሕ ክዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ እሞ፡

18 ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ እናበሉ ኢድ ኪነስኡሉ ጀመሩ።

19 ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን ሰገድሉ።

20 ምስ ኣላገጹሉ ድማ፡ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ። ኪሰቕልዎውን ኣውጽእዎ።

21 ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ፡ ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን፡ ካብ ወፍሪ ኺኣቱ ኸሎ፡ መስቀሉ ኺጸውር ብግዲ ወሰድዎ።

22 ናብ ቦታ ጐልጎታ፡ -ትርጓሚኣ ፥ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ -ወሰድዎ።

23 ምስ ከርበ እተሐወሰ ወይኒ ድማ ሃብዎ፡ ንሱ ግና ኣይተቐበለን።

24 ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ።

25 እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት።

26 ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ።

27 ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ።

28 እቲ ፥ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ።

29-30 እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ ፥ ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።

31 ከምኡ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጽሓፍቲ ንሓድሕዶም ፥ ንኻልኦት ኣድሐነ፡ ንርእሱ ኼድሕን ግና ኣይክእልን።

32 ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጽሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጽሉ ነበሩ።

33 ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት።

34 ብታስዐይቲ ሰዓት ኢየሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቕታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ።

35 ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ ፥ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ አሎ፡ በሉ።

36 ሓደ ጐይዩ ፥ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤ፡ ኢሉ መጺጽ ብስፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ።

37 ሽዑ ኢየሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት።

38 መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ።

39 እቲ ኣብ መንጽር ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረኣየ ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ።

40 ኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ።

41 ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዓባኦን ዘገልግላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ እየን።

42 ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረት፡

43 ዮሴፍ፡ ብዓል ኣርማትያስ፡ ሕፉር መኻሪ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽውን ዚጽበያ ዝነበረ፡ መጸ። ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ስጋ ኢየሱስ ለመኖ።

44 ጲላጦስ ድማ ቀልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ድሮዶ ሞይቱ፧ ኢሉ ሐተቶ።

45 ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ተረድኤ፡ ስጋኡ ንዮሴፍ ሃቦ።

46 ንሱ ድማ፡ ኣውሪዱ በፍታ ዓዲጉ፡ በቲ በፍታ ገነዞ። ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ። ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዓጸዎ።

47 ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ።