ማርቆስ 12
1 ብምስላ ድማ ኪብሎም ጀመረ፡ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኰዓተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ድማ ገሸ።
2 ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቶም ዓየይቲ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ፡ ናብቶም ዓየይቲ ባርያኡ ለኣኸ።
3 ንሳቶም ግና ሒዞም ገሪፎም፡ ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ።
4 ከም ብሓድሽ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ። ንእኡ ኸኣ ርእሱ ብእምኒ ፈግእዎ፡ ኣሕሲሮምውን ሰደድዎ።
5 ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኦም ገረፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም።
6 ገና ዜፍቅሮ ሓደ ወዲ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ ፥ እስኪ ንወደይ እንተ ሐፈርዎ፡ ኢሉ ንእኡ ናባታቶም ለኣኾ።
7 እቶም ዓየይቲ ግና፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ኪኸውን፡ ተበሃሃሉ።
8 ሒዞም ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወጻኢ ደርበይዎ።
9 እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሕጂ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንኻልኦት ኪህቦም እዩ።
10-11 እታ ፥ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም፧
12 ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆም ግና፡ ሐዲጎምዎ ኸዱ።
13 ብዘረባ ኺጠልፍዎ ኸኣ፡ ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄሮድሳውያንን ሓያሎ ሰደዱሉ።
14 መጺኦም ድማ፡ መምህር፡ መገዲ ኣምላኽ ደኣ ብሓቂ ትምህር አሎኻ እምበር፡ ነዚ ነቲ ኣይትብልን ኢኻ እሞ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ዘይተዳሉ ሓቀኛ ምዃንካ ንፈልጥ አሎና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ንሃብዶ ኣይንሃብ፧ በልዎ።
15 ኢየሱስ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ዲናር ክርእዮ ኣምጽኡለይ፡ በሎም።
16 ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ ፥ እዝስ ስእሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ።
17 ኢየሱስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሃቡ፡ ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ገረሞም።
18 ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጹ፡ ከምዚ ኢሎምውን ሐተትዎ፡
19 መምህር፡ ሓዉ ዝሞቶ ዘበለ ውሉድ ከይወለደውን ሰበይቱ እንተ ሐደገ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፡ ንሓዉ ዘርኢ የቝመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና።
20 ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ውሉድ ከይሐደገ ኸኣ ሞተ።
21 እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ሐድጊ ኸይሐደገውን ሞተ። እቲ ሳልሳይ ኸኣ ኸምኡ።
22 ሾብዓቲኦም ከኣ ሓድጊ ኣይሐደጉን። ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት።
23 ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ምስ ተንስኡስ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧
24 ኢየሱስ ከኣ ፥ መጻሕፍቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧
25 ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስ፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዚዀኑ እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም።
26 ብዛዕባ ምዉታት ከም ዚትንስኡኸ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ፥ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ ኢሉ ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧
27 ንሱ ናይ ህያዋን ኣምላኽ እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣዚኩም ትስሕቱ አሎኹም፡ ኢሉ መለሰሎም።
28 ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ ፥ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ።
29 ኢየሱስ መለሰ ፥ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ ፥ እስራኤል፡ ስማዕ ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር።
30 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ።
31 እታ ኻልኤይታ እትመልሳ ድማ ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዓቢ ኽልእ ትእዛዝ የልቦን።
32 እቲ ጸሓፊ ኸኣ ፥ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን።
33 ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ፡ በሎ።
34 ኢየሱስ ድማ፡ በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ ፥ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን፡ በሎ። ደጊሙ ኺሐቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን።
35 ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ መለሰ በለውን ፥ ጸሓፍቲ ኸመይ ኢሎም እዮም ፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዝብሉ፧
36 ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ ፥ ጐይታ ንጐይታይ ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል።
37 ዳዊት ባዕሉ ጐይታይ ካብ ዚብሎ ደኣ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይዀኖ፧ እቶም ብዙሓት ሰብ ድማ ባህ ኢልዎም ሰምዕዎ።
38-39 ብምህሮኡ ኸኣ በሎም ፥ ካብቶም ነዊሕ ባርኖስ ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ኪሳለምዎም ዚፈትዉን ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ ምቕማጥ፡ ኣብ መኣዲ ኸኣ ስፍራ ኽብሪ ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ።
40 ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡ፡ ኬምስሉ ኸኣ ጸሎት የንውሑ። እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።
41 ኢየሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረኣየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ።
42 ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት።
43 ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
44 ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።