ማርቆስ 11

1 ናብ ኢየሩሳሌም፡ ናብ ቤት-ፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ።

2 በሎምውን ፥ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹም፡ ብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ።

3 ገለ ሰብ ፥ ከመይከ እዚ ትገብሩ አሎኹም፧ እንተ በለኩም ፥ ጐይታ ይደልዮ አሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ኪሰዶ እዩ።

4 ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኸብዎ ፈትሕዎውን።

5 ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሓያሎ ኸኣ ፥ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ አሎኹም፧ በልዎም።

6 ከምታ ኢየሱስ ዝበሎም በልዎም፡ ንሳቶም ከኣ ሐደግዎም።

7 ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ ኢየሱስ ወሰድዎ፡ ክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሔ።

8 ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ።

9 ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም ፥ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ።

10 እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ።

11 ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ንኹሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ።

12 ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ጠመየ።

13 ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረኣየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን።

14 መሊሱ ድማ ፥ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።

15 ናብ ኢየሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ኬውጽኦም ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ።

16 ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤተ መቕደስ ኪሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ ፥

17 ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል፡ ጽሑፍ ደይኰነን ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ ኢሉውን መሃሮም።

18 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።

19 ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ።

20 ንግሆ ኺሐልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ።

21 ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ ፥ መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ፡ በሎ።

22 ኢየሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ።

23 ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

24 ስለ ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪኸነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

25 ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።

26 ንስኻትኩም እንተ ዘይሐደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይሐድገልኩምን እዩ።

27 ተመሊሶም ከኣ ናብ ኢየሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤት መቕደስ ኪመልላለስ ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡

28 በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር አሎኻ፡ ወይስ እዚ ንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ።

29 ኢየሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም አሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ።

30 ጥምቀት ዮሃንስ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ።

31 ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ።

32 ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ - ንዮሃንስ ኵሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ፈርሁ።

33 ንኢየሱስ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለስሉ። ኢየሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።