ማርቆስ 2

1 ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ።

2 ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዚስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ድማ ይነግሮም ነበረ።

3 ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ።

4 ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ።

5 ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ።

6-7 ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ አሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧ ኢሎም ሐሰቡ።

8 ኢየሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ አሎኹም፧

9 ኣያናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጕዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧

10 ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ - ነቲ መጻጕዕ፡

11 ንኣኻ እብለካ አሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ።

12 ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ፡ ኵሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።

13 ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጸ፡ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ ናብኡ መጸ፡ ይምህሮምውን ነበረ።

14 ኪሐልፍ ከሎ ድማ፡ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዓቦ።

15 ኰነ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ፡ ዝሰዓብዎ ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።

16 እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ዚበልዕን ዚሰትን፧ በልዎም።

17 ኢየሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም።

18 ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኣለዉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጸሙ፧ በልዎ።

19 ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ ኣዕሩኽ መርዓዊኸ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ ኪጾሙ ኣይዀነሎም እዩ።

20 መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ደኣ ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጾሙ እዮም።

21 ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ከቶ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዚኸውን።

22 ንሓድሽ ወይኒ ድማ፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ እምበር፡ ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቖ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ ኣሕርብቲውን ይበላሾ።

23 ኰነ ድማ፡ ኢየሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ኺሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱ፡ ሰዊት ኪምንቍሱ ጀመሩ።

24 ፈሪሳውያን ድማ፡ ርኤ፡ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ፧ በልዎ።

25-26 ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ዝገበሮስ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ኻህናት ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ብጀካ ንኻህናት እምበር፡ ምብላዑ ዘይግባእ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም።

27 ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን።

28 እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።