ራእይ ዮሐንስ 9

1 እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ከሎ ርኤኹ፡ መርሖ ዓሚቝ ዔላውን ተዋህቦ።

2 ነቲ ዓሚቝ ዔላ ድማ ከፈቶ። ካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ወጸ። ብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ።

3 ካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ።

4 ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፡ ንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም፡ ተባህለሉ።

5 ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኺሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦ። እቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ።

6 በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ።

7 ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ።

8 ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎ፡ ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ።

9 ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ አለዎ፡ ደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ።

10 ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን አለዎ፡ ንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን አለዎ።

11 ንጉስ አለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሀል።

12 እቲ ቐዳማይ ወዮ ሐሊፉ፡ ድሕርዚ ኸኣ እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ አሎ።

13-14 እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብሎ ድምጺ ሰማዕኩ።

15 እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፡ ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ኪቐትሉ፡ ተፈትሑ።

16 ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፡ ቍጽሮም ሰማዕኩ።

17 ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለዉን ርኤኹ። ሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዚመስል ድርዒ አለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ።

18 በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን፡ በዘን ሰለስተ መዓት እዚኤን ሲሶ ሰብ ተቐትለ።

19 ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ፡ እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል፡ ኣራእስውን አለዎ፡ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዚጐድኡ።

20 እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ፡ ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩ፡ ወይስ ኪሰምዑ፡ ወይስ ኪኸዱ ዘይከአሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን።

21 ካብ ነፍሲ ምቕታሎም፡ ወይስ ካብ ኣስማቶም፡ ወይስ ካብ ምንዝርናኦም፡ ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን።