ራእይ ዮሐንስ 19

1-2 ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ናይታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

3 ካልኣይ ጊዜ ድማ፡ ሃሌሉያ፡ በሉ። ትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ።

4 እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፡ ኣሜን፡ ሃሌሉያ፡ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።

5 ካብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዚብል ድምጺ ወጸ።

6-7 ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀብ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

8 ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ።

9 ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ።

10 ኣነ ኸኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር ኢየሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር ኢየሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።

11 ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን።

12 ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ።

13 ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ።

14 ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ።

15 ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ።

16 ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ።

17-18 ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦም፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተአከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።

19 እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ።

20 እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም።

21 እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።