ራእይ ዮሐንስ 8

1 ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ።

2 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓተ መላእኽቲ ደው ኢሎም ርኤኹ፡ ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም።

3 ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኺወስኾ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ።

4 እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ።

5 እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮ፡ ነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድሪን ከኣ ዀነ።

6 እቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ።

7 እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸት ነፍሔ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፡ ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ።

8 እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ።

9 ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ፡ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።

10 እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሔ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ።

11 ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዚብሀል፡ ሲሶ እቲ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ።

12 እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምት፡ መዓልቲ ሲሶኣ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኣ ሲሶ ጸሓይን ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዔ።

13 ርኤኹ ድማ፡ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን፡ ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ኪነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዘለዉ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።