ራእይ ዮሐንስ 15

1 ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርኤኹ፡ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ኪፍጸም እዩ እሞ፡ ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርኤኹ።

2 ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዚመስል እሞ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቝጽሪ ስሙን ዝሰዐሩ፡ መሰንቆታት ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡

3-4 ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።

5 ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።

6 እቶም ሾብዓተ መዓት ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ፡ ባዕባዕ ዚብል ጽሩይ ክዳን ተከዲኖም፡ ኣብ ኣፍ ልቦምውን ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም፡ ካብ መቕደስ ወጹ።

7 ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዚነብር ኣምላኽ እተመልኤ ሾብዓተ ጽዋእ ወርቂ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሀቦም።

8 እታ መቕደስ ድማ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ግርማን ሓይልን ብትኪ መልኤት። እተን ናይቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሾብዓቲኤን መዓት ክሳዕ ዚውድኣስ፡ ሓደ እኳ ናብ መቕደስ ኪኣቱ ኣይከኣለን።