ማቴዎስ 8
1 ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ።
2 እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ።
3 ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ አሎኹ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ።
4 ኢየሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህናት ኣርኢ፡ ንኣታትቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ።
5-6 ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ፡ ጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ አሎ፡ እናበለ ለመኖ።
7 ኢየሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ።
8 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቕዕን፡ ኣየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ።
9 ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ።
10 ኢየሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
11 ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃም ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።
12 ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
13 ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ።
14 ኢየሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ።
15 ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ።
16-17 ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።
18 ኢየሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ።
19 ሐደ ጸሐፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኹሉ ኽስዕበካ፡ በሎ።
20 ኢየሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ።
21 ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ።
22 ኢየሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ።
23 ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ።
24 እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።
25 ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ።
26 ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስ ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።
27 እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ።
28 ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ኽልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ ኣቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ።
29 እንሆ ኸኣ፡ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ።
30 ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ።
31 እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጻኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ።
32 ንሱ ኸኣ፥ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኵምም በለ።
33 እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ ኣተዉ፡ በቲ ዝዀነ ኹሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዋምን ከኣ ኣውረዩ።
34 እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንኢየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።