ማቴዎስ 26

1 ኰነ ድማ፡ ኢየሱስ እዚ ነገርዚ ዅሉ ምስ ወድኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡

2 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም።

3 ሽዑ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዚብሀል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ።

4 ንኢየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ድማ ተማኸሩ።

5 ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ፡ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ።

6 ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡

7 ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።

8 ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧

9 ንብዙሕ ተሽይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ።

10 ኢየሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧

11 ድኻታትሲ ዅሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን።

12 እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ።

13 እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

14 ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡

15 ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ።

16 ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

17 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቕጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ኢየሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ።

18 ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኪዱ እሞ፡ ጊዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኽፍስግ፡ ይብል አሎ መምህር፡ በልዎ።

19 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኢየሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።

20 ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።

21 ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

22 ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሃዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ኪብልዎ ጀመሩ።

23 መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዜትሕዘኒ።

24 ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ።

25 እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ድማ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ።

26 ኪበልዑ ኸለዉ፡ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም።

27-28 ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።

29 ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም አሎኹ።

30 መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።

31 ሽዑ ኢየሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕቀፉ ኢኹም።

32 ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም።

33 ጴጥሮስ ከኣ፡ ኵሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ።

34 ኢየሱስ ከኣ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።

35 ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኵላቶም ከምኡ በሉ።

36 ድሕርዚ ኢየሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም።

37 ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ።

38 ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም።

39 ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።

40 ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧

41 ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።

42 ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኺሐልፍ ዘይከኣል እንተ ኰይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ።

43 ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም።

44 ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ።

45 ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ።

46 ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ አሎ፡ በሎም።

47 እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ።

48 እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ፡ ኢሉ ምልክት ሀቦም።

49 ብኡብኡ ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ።

50 ኢየሱስ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንኢየሱስ ሐዝዎ።

51 እንሆ፡ ካብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፉ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ።

52 ሽዑ ኢየሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ።

53 ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧

54 ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧

55 ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ ወጻእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፡ ኣይሐዝኩምንን።

56 እዚ ዅሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዅሎም ሐዲጎምዎ ሀደሙ።

57 እቶም ንኢየሱስ ዝሐዝዎ ኸኣ ናብቲ ጸሓፍትን ዓበይትን ናብ እተኣከቡሉ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ።

58 ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። መወዳእታኡ ምእንቲ ኺርኢውን፡ ናብ ውሽጢ አትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ።

59 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንኢየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ፡ ኣይረኸቡን።

60 ብዙሓት ሐስዮም ዚምስክሩ መጺኦም ክነሶምሲ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን።

61 እብ መወዳእታኡ ግና ክልተ መጺኦም በሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነታ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጻ እኽእል እየ፡ በለ።

62 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ እዚኣቶም ብዚምስክሩልካስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ በሎ። ኢየሱስ ግና ስቕ በለ።

63 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ በሎ።

64 ኢየሱስ ከኣ፡ ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።

65-66 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፉ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ።

67 ድሕርዚ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ፡

68 ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ።

69 ጴጥሮስ ብጎፍታ ወጺኡ ኣብ ውሽጢ ተቒሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ገረድ፡ ንስኻውን ምስ ኢየሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ፡ እናበለት ናብኡ ቐረበት።

70 ንሱ ኣብ ቅድሚ ዅሎም፡ እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸሐደ።

71 ዓንቐጽ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ድማ፡ እዚ ምስ ኢየሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ፡ በለቶም።

72 ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ከሐደ መሐለውን።

73 ቅሩብ ምስ ጸንሔ፡ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ንጴጥሮስ፡ ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ዘረባኻውን የፍልጠካ አሎ፡ በልዎ።

74 ሽዑ ንሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ።

75 ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኢየሱስ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱውን፡ መሪር ብኽያት በኸየ።