ማቴዎስ 4

1 ሽዑ መንፈስ ንኢየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ።

2 ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ።

3 እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ።

4 ኢየሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።

5 ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ።

6 እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ።

7 ኢየሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎ።

8 ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዮ እሞ፡

9 ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ።

10 ሽዑ ኢየሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ።

11 ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ።

12 ኢየሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ።

13 ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ።

14 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡

15 ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡

16 ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም።

17 ኢየሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግስተ ሰማይት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።

18 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስን ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ።

19 ኢየሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም።

20 ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ።

21 ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረኣየ እሞ ጸውዖም።

22 ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ።

23 ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ኩሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።

24 ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸ። ንዅሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።

25 ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።