ማቴዎስ 22

1 ኢየሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ከምዚ ኢሉ ነገሮም፡

2 መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።

3 ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ።

4 ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ሰባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ፡ ኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ።

5 ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ።

6 እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምን።

7 እቲ ንጉስ ተቘጥዔ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ።

8 ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡

9 ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም።

10 እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ።

11 እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሰብኣይ ረኣየ እሞ፡

12 ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ።

13 ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።

14 ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።

15 ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎ፡ ተማኸሩ።

16 ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛ ምኳንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ከም እትምህር፡ ንፈልጥ አሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ።

17 እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና።

18 ኢየሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም።

19 ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ።

20 ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም።

21 ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም።

22 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ።

23 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦን፡ ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ።

24 ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህር፡ ሙሴ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓዉ ኸኣ ዘርኢ የቑመሉ፡ በለ።

25 ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ሞተ፡ ውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓዉ ሐደጋ።

26 ከምኡ ኸኣ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ።

27 ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት።

28 ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶም፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧

29 ኢየሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ አሎኹም።

30 ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን።

31-32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ካብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚእብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን።

33 እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተደነቑ።

34 ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውያን ከም ዝዐጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ።

35-36 ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኪዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ።

37 ኢየሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡

38 እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።

39 እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።

40 ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ፡ በሎ።

41 ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ ኢየሱስ፡

42 ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ወዲ ዳዊት፡ በልዎ።

43-44 ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧

45 እምበኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።

46 ሓደ እኳ ቓል ኪመልሰሉ ኣይከኣለን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ሓደ እኳ ኺሐቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን።