ሉቃስ 8
1 ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ።
2-3 ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።
4 ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
5 ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ።
6 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ።
7 ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ እቲ እሾኽ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ።
8 ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቖለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ።
9 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እዚ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
10 ንሱ በሎም፥ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ።
11 እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ።
12 እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዚሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ከይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።
13 ኣቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚኣምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ።
14 እቲ ኣብ እሾኽ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፥ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን።
15 እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም።
16 ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን።
17 ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን።
18 እምብኣርከ ንዘለዎ ኺወሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እተሰምዑ ተተንቀቑ።
19 ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን።
20 ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።
21 ንሱ ኸኣ፥ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገርብዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም።
22 ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ፥ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን።
23 ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሐዞም።
24 ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፥ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ።
25 ሽዑ፥ ኣበይ ደኣ ኣላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፥ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሃሉ ተደነቑ።
26 ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ።
27 ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፥ ኣጋንንቲ ዝሐደሮ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ።
28 ንኢየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፥ ኢየሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፥ ምሳኻኸ እንታይ አሎኒ፡ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሊኹ፡ በሎ።
29 ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሐዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሃለው የብሎ ነበረ።
30 ኢየሱስ ከኣ፥ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሐዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፥ ለጌዎን፡ በለ።
31 ናብ መዓሙቝ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።
32 ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም።
33 እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሐለ።
34 እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ።
35 እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፡ ናብ ኢየሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ።
36 እቶም ዝረኣይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሐወየ፡ ነገርዎም።
37 እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ።
38 እቲ ኣጋንንቲ ዝወጸሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። ኢየሱስ ግና፥
39 ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበርልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ።
40 ኰነ ድማ፡ ኢየሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኵሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቀበልዎ።
41 እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ ኢየሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ።
42 ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ።
43 እንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኩሉ ገንዘባ ንሓኻይም ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ክፍውሳ ኣይከኣለን።
44 ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ።
45 ኢየሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኵሎም፥ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑ፥ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን ኣለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ።
46 ኢየሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ አሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ አሎ፡ በሎ።
47 እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሓብኤት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየት፡ ነገረቶ።
48 ንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
49 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፥ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጸ።
50 ኢየሱስ ሰሚዑ፥ ኣይትፍራህ፥ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ።
51 ኣብታ ቤት ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን።
52 ኵሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፥ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ።
53 ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሐቕዎ።
54 ንሱ ኸኣ ንዅሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ቢኢዳ ሒዙ ዓው ኢሉ፥ ኣቲ ጓል ተንስኢ፡ በለ።
55 ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ኣዘዘ።
56 ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።