ሉቃስ 2

1 ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ።

2 እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ።

3 ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ።

4-5 ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሐፍ ደየበ።

6 ኰነ ድማ፡ ኣብኡኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ።

7 በዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።

8 ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ።

9 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ።

10-11 እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።

12 ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም።

13-14 ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።

15 ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ፡ ተባሃሃሉ።

16 ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ።

17 እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ።

18 ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ።

19 ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት።

20 እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ።

21 ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልአ ድማ፡ ከምቲ መልእኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሃንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ ኢየሱስ ኢሎም ሰመይዎ።

22-24 ከምቲ ሕጊ መሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ - ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፥ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሃል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ -ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቝምዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ።

25 እንሆ ድማ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ።

26 ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረአዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረ።

27 ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ ኢየሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡

28 ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፥

29-32 ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።

33 ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ።

34 ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ።

35 ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።

36 ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፋኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። - ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት።

37 ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። - ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።

38 ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።

39 ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኵሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ።

40 እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ።

41 እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።

42 ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።

43 እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ ኢየሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ። ዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን።

44 ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ።

45 ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ኪደልይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ።

46 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ።

47 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ።

48 ምስ ረኣይዎ ድማ ሰምበዱ። ኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ።

49 ንሱ ኸኣ፥ ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም።

50 ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን።

51 ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።

52 ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።