ሉቃስ 7
1 ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድኤ፡ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።
2 ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዜኽብሮ ባርያኡ ሐሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ።
3 ወረ ኢየሱስ ምስ ሰምዔ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኼሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኹ ለመኖ።
4-5 ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መጺኦም፥ ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ።
6 ኢየሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቃ ሚእቲ ኣዕሩኽ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፥ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም።
7 ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ።
8 ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለውኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ።
9 ኢየሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዓብዎ ህዝቢ፥ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም’
10 እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሰ ድማ፡ እቲ ሐሚሙ ዝነበረ ባርያ ሐውዩ ረኸብዎ።
11 ንጽቢሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ።
12 ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ።
13 ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፥ ኣይትብከዪ፡ በላ።
14 ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
15 እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሃባ።
16 ንዅሎም ፍርሃት ሐዞም፥ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።
17 እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ።
18 ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዅሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ።
19 ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፥ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፡ ኢሉ ናብ ኢየሱስ ለኣኾም።
20 እቶም ሰባት ኣብ ኢየሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፥ ዮሃንስ መጥመቕ፥ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኡሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ።
21 ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሃቦም።
22 ኢየሱስ ከኣ፥ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሑ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ አሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ።
23 ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
24 እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፥ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧
25 እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብኣይዶ፧ እንሆ ንኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሐንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ።
26 እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚዓቢ እብለኩም አሎኹ።
27 እቲ፥ እንሆ፡ መንገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ።
28 ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዚዓቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም አሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዓብዮ።
29 ኵሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ።
30 ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዓቕዎ።
31 እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧
32 ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፥ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምን፡ ዚብሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ።
33 ዮሃንስ መጥመቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፥ ጋነን ኣለዎ፡ ትብሉ፥ አሎኹም።
34 ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ አሎኹም።
35 ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ጸደቐት።
36 ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
37 እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጽኤት።
38 ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት።
39 እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፥ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ።
40 ኢየሱስ ከኣ፥ ስምኦን፡ ዝብለካ አሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ።
41 ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ።
42 ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧
43 ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐደገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈርድካ፡ በሎ።
44 ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት።
45 ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን።
46 ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት።
47 ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር።
48 ንኣእ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ።
49 እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ።
50 ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።