ሉቃስ 5

1 ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናተዳፍእዎ፡ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።

2 ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሐጽቡ ነበሩ።

3 ካብተን ጀላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት ኣትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ።

4 ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቕ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ፡ በሎ።

5 ስምኦን ከኣ፡ መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሐዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ፡ ኢሉ መለሰሉ።

6 እዚ ምስ ገበረ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ።

7 ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግፍዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቀርባ መልእወን።

8-10 ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዮ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኪ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፥ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፍኤ። ኢየሱስ ከኣ ንስምኦን፥ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

11 ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዅሉ ሐዲጎም ሰዓብዎ።

12 ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆ፡ ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንኢየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፥ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትክእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ።

13 ኢየሱስ ድማ፥ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ።

14 ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር። ኢሉ ኣዘዞ።

15 ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሐውዩን ናብኡ ተኣከቡ።

16 ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ።

17 ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቀሚጦም ነበሩ። ሓይሊ እግዚኣብሄር ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ።

18 እንሆ ድማ ሰባት መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደልዩ ነበሩ።

19 ሰብ ስለ ዝበዝሔ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜእትዉዎ እንተ ጨነቆም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣውረድዎ።

20 እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ አሎ፡ በሎ’

21 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እዚ ጸርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፡ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ኪሐድግ ይኽእል፧ ኢሎም ኪሐስቡ ጀመሩ።

22 ኢየሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎም፥ ብልብኹም እንታይ ትሐስቡ አሎኹም፡

23 ኣየናይ ይቐልል፥ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡

24 ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሐድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ - ነቲ መጻጕዕ፥ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።

25 ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ።

26 ኵሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፥ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና፡ ኢሎም ፍርሃት መልኦም።

27 ድሕርዚ ድማ ወጸ፡ ሌዊ ዚብሃል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፥ ስዓበኒ፡ በሎ።

28 ተንሲኡ ኸኣ ንዅሉ ሐዲጉ ሰዓቦ።

29 ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ።

30 ፈሪሳውያንን ጸሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን አሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም።

31 ኢየሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።

32 ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም።

33 ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንውን ከምኡ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን፥ በልዎ።

34 ኢየሱስ ከኣ፥ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧

35 ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓትታት ኪመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲኤን ሽዑ ኺጸሙ እዮም፡ በሎም።

36 ምስላ ድማ መሰለሎም፥ ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቍራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ።

37 ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቆ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይባላሾ።

38 ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ።

39 ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።