ወ. ዮሐንስ 9

1 ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣየ።

2 ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ።

3 ኢየሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ።

4 መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ።

5 ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

6 እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥

7 ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም- ትርጓሚኡ ልኡኽ፦ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ።

8 ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፥ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ።

9 ገሊኦም፥ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ።

10 ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፡ በልዎ።

11 ንሱ ኸኣ፥ እቲ ኢየሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ልኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።

12 እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም።

13 ነቲ ቕድም ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።

14 እታ ኢየሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት።

15 ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ጽብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም።

16 ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየክብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፥ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይክእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ።

17 ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፥ ነብዪ እዩ፡ በለ።

18 እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን እሞ፥

19 እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ አሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም።

20 እቶም ወለዱ ድማ፥ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ።

21 ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ።

22 ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ።

23 ስለዚ እቶም ወለዱ፥ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ።

24 ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡ በልዎ።

25 ሽዑ ንሱ መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም።

26 ሽዑ ንሳቶም፥ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ።

27 ንሱ ኸኣ፥ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ አሎኹም፧ ንስካትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።

28 ጸረፍዎ እሞ፥ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።

29 ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ አሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ።

30 እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።

31 ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም፡ ንፈልጥ ኢና።

32 ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን።

33 እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም።

34 ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ።

35 ኢየሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፥ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ።

36 ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ።

37 ኢየሱስ ድማ፥ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ።

38 ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን።

39 ኢየሱስ ድማ፥ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ።

40 ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፥ ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ።

41 ኢየሱስ ድማ፥ ዕዉራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፥ ንርኢ አሎና፡ ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም።