ወ. ዮሐንስ 2
1 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት።
2 ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ።
3 ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ ኢየሱስ፥ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ።
4 ኢየሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ።
5 ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፥ ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ፡ በለቶም።
6 ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ።
7 ኢየሱስ፥ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ።
8 ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።
9 እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፦ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፥
10 ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ።
11 ኢየሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ።
12 ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ።
13 ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
14 ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ።
15 ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ።
16 ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፥ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም።
17 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጹሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።
18 ሽዑ ኣይሁድ፥ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለስሉ።
19 ኢየሱስ ድማ፥ ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
20 እቶም ኣይሁድ ከኣ፥ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ።
21 ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ።
22 ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበለ ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ።
23 ነቲ፡ ኢየሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ ኢየሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ።
24-25 ኢየሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።