ወ. ዮሐንስ 14

1 ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።

2 ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡

3 ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።

4 ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

5 ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፡ በሎ።

6 ኢየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

7 ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ።

8 ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ።

9 ኢየሱስ በሎ፥ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል አሎኻ፧

10 ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ።

11 ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።

12 ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

13 ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ።

14 ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።

15 እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።

16 ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡

17 ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩም፡ውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።

18 ኣነ ዘኽተማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምን፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ።

19 ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።

20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም።

21 እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።

22 እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማ፥ ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ፡ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧ በሎ።

23 ኢየሱስ ከኣ፥ ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።

24 እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ።

25 ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም።

26 እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

27 ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።

28 ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም።

29 ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ።

30 ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ።

31 ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ።