ወ. ዮሐንስ 4
1 ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ ኢየሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፦
2 ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ ኢየሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፦
3 ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ።
4 ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ።
5 ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ።
6 ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎ። ኢየሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።
7 ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። ኢየሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ።
8 ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።
9 ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧ በለቶ።
10 ኢየሱስ ድማ፥ ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ።
11 እታ ሰበይቲ ድማ፥ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧
12 ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዓቢ ኢኻ፧ በለቶ።
13 ኢየሱስ ድማ፥ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ።
14 እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ።
15 እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ፡ በለቶ።
16 ኢየሱስ ከኣ፥ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ።
17 እታ ሰበይቲ መሊሳ፥ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ቅኑዕ ተዛረብኪ።
18 ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዝስ ሓቂ ተዛረብኪ፡ በላ።
19 እታ ሰበይቲ በለቶ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ አሎኹ።
20 ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ።
21 ኢየሱስ በላ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ።
22 ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
23-24 ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
25 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና እዩ፡ በለቶ።
26 ኢየሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ።
27 ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፥ እንታይ ትደሊ፡ ወይስ፥ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ አሎኻ፡ ዝበሎ የልቦን።
28 እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሐዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፥
29 ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም።
30 ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ።
31 ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ።
32 ንሱኸኣ፥ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ አሎኒ፡ በሎም።
33 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፥ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃሃሉ።
34 ኢየሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።
35 ንስካትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።
36-37 ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዓጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ።
38 ኣነ ንኣካትኩም ኣብ ዘይጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዓሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም።
39 ስለቲ እታ ሰበይቲ፥ ዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ።
40 እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለመንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዓለ።
41 ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ።
42 ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ።
43-44 ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ ኢየሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸደ።
45 ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣ ናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ።
46 ኢየሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ።
47 ንሱ፡ ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንኢየሱስ ለመኖ።
48 ሽዑ ኢየሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም፡ በሎ።
49 እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ።
50 ኢየሱስ ድማ፥ ኪድ፡ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ ኢየሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ።
51 ኪወርድ ከሎ፡ ባሮቱ ተቐበልዎ እሞ፥ ወድኻ ሐውዩ፡ ኢሎም ኣበሰርዎ።
52 ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፥ ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡ በልዎ።
53 ሽዑ ኣቦኡ በታ ኢየሱስ፥ ወድኻ ሐውዩ፡ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ።
54 ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣዩ እዩ።