ዘካርያስ 9
1-2 ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሎም ሰብን ናብ ኵሎም ነገድ እስራኤልን ኣቢሉ እዩ እሞ፣ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓድራክን ኣብ ልዕሊ ደማስቆን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ወሰና ዘላ ሃማትን ይዐርፉ፣ ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ሲዶናን ከኣ ይዐርፍ።
3 ጢሮስ ዕርዳ ዐረደት፣ ብሩር ከም ሓመድ፣ ወርቂ ድማ ከም ጸብሪ መገዲ ደለበት።
4 እንሆ፣ እግዚኣብሄር ኪሕዛ፣ ስልጣና ኸኣ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ፣ ብሓዊ ድማ ሞዅ ክትብል እያ።
5 ኣስቃሎን ክትርእዮ እያ እሞ ክትፈርህ እያ፣ ዔቅሮን ድማ ተስፋኣ ተቘሪጹ እዩ እሞ፣ ከምኣ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ እዩ፣ ኣስቃሎን ከኣ ዚነብራ ኽትስእን እያ።
6 ኣብ ኣሽዶድ ድቓላ ኺነብር እዩ፣ ኣነ ድማ ንትዕቢት ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ።
7 ደሙ ኸኣ ካብ ኣፉ፣ ጽያፉ ድማ ካብ መንጎ ኣስናኑ ኸውጽኣሉ እየ፣ ንሱውን ንኣምላኽና ተረፍ ኪዀኖ፣ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ከም ሓለቓ ኪኸውን እዩ፣ ዔቅሮን ድማ ከም ይቡሳዊ።
8 ካብ ሰራዊት፣ ካብቲ ዚኸይድን ዚመጽእን ክከላኸለላስ፣ ኣብ ዙርያ ቤተይ ክሰፍር እየ፣ ሕጂ በዒንተይ ርእየያ እየ እሞ፣ ድሕርዚ ጨቋኒ ከቶ ኣይኪሐልፎምን እዩ።
9 ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ኣዚኺ ተሐጐሲ፣ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፣ እልል በሊ፣ እንሆ ንጉስኪ፣ ንሱ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ፣ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።
10 ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፣ ፈረስ ድማ ካብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ፣ ቀስቲ ውግእ ኪጠፍእ እዩ። ንሱ ነህዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብቲ ርባ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸውን እዩ።
11 ንኣኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ ነቶም እሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዜብሉ ጕድጓድ ከውጽኦም እየ።
12 ኣቱም ብተስፋ እተኣሰርኩም፣ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፣ ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪ፣ ሎሚውን እነግረኪ ኣሎኹ።
13 ንርእሰይ ኢለ ንይሁዳ ኸም ቀስቲ ገተርክዎ፣ ብኤፍሬም ድማ መላእክዎ። ኣቲ ጽዮን፣ ንደቅኺ፣ ኣብ ልዕሊ ደቅኺ፣ ዎ ዮናኒ፣ ከተንስኦም፣ ንኣኺ ድማ ሰይፊ ጅግና ኽገብረኪ እየ።
14 እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ኪርኤ እዩ፣ ፍላጻኡ ኸኣ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽውን መለኸት ኪነፍሕ፣ ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ድማ ኪኸይድ እዩ።
15 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኬዕቍቦም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ኪውሕጡ፣ እምኒ ወንጭፍ ከኣ ኪረግጹ እዮም፣ ኪሰትዩ፣ ብወይኒ ኸም ዝሰኸሩ ጫውጫው ኪብሉ፣ ከም ዋንጫ፣ ከም ኵርናዕ መሰውኢ ኺመልኡ እዮም።
16 ከምቲ ኣብ ምድሩ ዜንጸባርቕ ኣእማን ኣኽሊል እዮም እሞ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣግዚኣብሄር ኣምላኾም ንህዝቡ ኸም መጓሰ ኼድሕኖም እዩ።
17 ሰናዩ ኽንደይ ዓብዪ፣ ጽባቔኡስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እኽሊ ነጕባዝ፣ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ነዋልድ ኬዕብዮም እዩ።