ዘካርያስ 12
1 ጾር ቃልእግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያት ዝዘርግሖ፣ ንምድሪ ድማ ዝሰረታ፣ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጢ ዝደኰኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣
2 እንሆ፣ ኢየሩሳሌም ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ጽዋእ ስኽራን ክገብራ እየ፣ ኢየሩሳሌም ተኸቢባ ኸላውን ኣብ ይሁዳ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።
3 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ኢየሩሳሌም ንዅላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፣ ዚስከምዋ ዘበሉ ዅላቶም ኣህዛብ ኣዝዮም ኪቘስሉ እዮም፣ ኵላቶም ኣህዛብ ምድሪውን ንምጽራራ ኺእከቡ እዮም።
4 በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅላቶም ኣፍራስ ብስምባድ፣ ንዚውሕጥዎም ከኣ ብጽላለ ኽወቕዖም እየ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ድማ ኣዒንተይ ቋሕከብ እየ፣ ንዅላቶም ኣፍራስ ህዝብታት ከኣ ብዑረት ክወቕዖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር
5 ሓላቑ ይሁዳ ብልቦም፣ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ሓይለይ እዮም፣ ኪብሉ እዮም።
6 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ክገብሮም እየ፣ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ከኣ ኪውሕጥዎም እዮም፣ ኢየሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም፣ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ።
7 ክብረት ቤት ዳዊትን ክብረት እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸይዕበ፣ እግዚኣብሄር ቅድም ንድንኳናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ።
8 በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ኺከላኸለሎም እዩ። እቲ ኻባታቶም ድኹም ዝዀነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ፣ ቤት ዳዊት ከኣ ከም ኣምላኽ፣ ኣብ ቅድሚኦም ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ክትከውን እያ።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዚመጹ ዅሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ክደሊ እየ።
10 ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣይ፣ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምቱ እዮም፣ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዚበኽዩሉ፣ ከምቲ ንበዅሪ መሪር ሓዘን ዚሐዝንሉ ኣምሪሮም ኪሐዝኑሉ እዮም።
11 በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ከምቲ ኣብ ሃዳድ-ሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶን ዝዀነ ብኽያት፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ኪኸውን እዩ።
12 እታ ሃገር ከኣ ክትበኪ እያ፣ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፣ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፣ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፣ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን።
13 ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፣ ኣንስቶም ከኣ ንበይነን፣ ዓሌት ሽምዒ ንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን።
14 ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፣ ኣንስቶምውን ንበይነን።