ዳዊት 54
1 ዎ ኣምላኽ፣ ብስምካ ኣድሕነኒ፣ ብስልጣንካውን በይነለይ።
2 ዎ ኣምላኽ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ።
3 ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፣ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን።
4 እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ።
5 ንእከይ ናብ ጸላእተይ ኪመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም።
6 ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፣ ጐይታየ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ከመስግኖ እየ።
7 ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፣ ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ ረአየቶም።