ዳዊት 102

1 ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ አውያተይውን ኣባኻ ይብጻሕ።

2 ብመዓልቲ ጸበባይ ገጽካ ኣይትኸውለለይ፣ እዝንኻ ኣድንነለይ፣ በታ ዘእውየላ መዓልቲ ቐልጢፍካ ምለሰለይ።

3 መዓልትታተይ ከም ትኪ ይበና ኣለዋ እሞ፣ አዕጽምተይ ከኣ ከም እያድ ይነድድ ኣሎ።

4 ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔዮ እየ እሞ፣ ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን።

5 ካብ ድምጺ ገዓረይ እተላዕለ አዕጽምተይ አብ ስጋይ ተጣበቐ።

6 ኣባ ጉምባሕ በረኻ መሰልኩ፣ ከም ጉንጓ ዑናታት ኰንኩ።

7 ተጋህኩ፣ ከምቲ አብ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ ከኣ እየ።

8 ምሉእ መዓልቲ ጸላእተይ የላግጹለይ፣ ተጻረርተይ ብስመይ ይረግሙ ኣለዉ።

9 ንሓመዅስቲ ኸም እንጌራ እበልዖ ኣሎኹ እሞ፣ ንመስተይ ምስ ንብዓት እሕውሶ ኣሎኹ።

10 ብምኽንያት ኵራኻን ቊጥዓኻን አልዒልካ ደርቢኻኒ ኢኻ እሞ፣

11 መዓልትታተይ ከም ዚነውሕ ጽላሎት እየን፣ ኣነውን ከም ሳዕሪ እነቅጽ ኣሎኹ።

12 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ንዘለአለም ትነብር፣ መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።

13-14 ጊዜ ምሕረታ እዩ፣ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ፣ ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፣ ብሓመዳ ኸኣ ጕህዮም እዮም እሞ፣ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።

15 ኣህዛብ ከኣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርሁ እዮም።

16 እግዚኣብሄር ንጽዮን ኪሀንጻ፣ ብኽብሩ ኺግለጽ እዩ።

17 አብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ፣ ንጸሎቶምውን ኣይኪንዕቕን እዩ እሞ፣

18 እዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ ኺጽሐፍ፣ እቲ ዚፍጠር ህዝቢውን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኖ እዩ።

19-22 ኵሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር አብ ኢየሩሳሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፣ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስ ተኣከቡ፣ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረአየ፣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ።

23 ንሓይለይ አብ መገዲ ኣድከሞ፣ ንመዓልትታተይ ኣሕጸረን።

24 ኣምላኸየ፣ አብ ፍርቂ መዓልትታተይ አይትውሰደኒ፣ በልኩ። ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።

25 ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፣ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።

26 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ንስኻ ግና ትነብር፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፣ ኪልወጡውን እዮም።

27 ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን።

28 ውሉድ ባሮትካ ኺነብሩ ዘርኦም ከኣ አብ ቅድሜኻ ኺጸንዕ እዩ።