ዳዊት 4

1 ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ።

2 ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፧

3 እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ። እግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ።

4 ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን።

5 መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ።

6 ብዙሓት፣ ንሰናይ መን እዩ ዜርእየና፣ ይብሉ ኣለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና።

7 ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።

8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን ኣሎኹ።