ሶፎንያስ 3
1 እታ ዓላዊትን ርኽስትን፣ እታ ገፋዒት ከተማ ወይለኣ።
2 ድምጺ ኣይትሰምዕን፣ ቅጽዓት ኣይትቕበልን፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን፣ ናብ ኣምላኽ ኣይትቐርብን።
3 መሳፍንታ ኣብ ማእከላ ጓዘምቲ ኣናብስ እዮም፣ ፈራዶኣ ንንግሆ ገለ እኳ ዘየትርፉ ተዃሉ ምሸት እዮም።
4 ነብያታ መጓበብትን ጠበርትን ሰብኡት እዮም፣ ካህናታ ንመቕደስ ኣርከስዎ፣ ንሕጊ ዐመጽዎ።
5 እግዚኣብሄር ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፣ንሱ ኣይእብስን፣ ንግሆ ንግሆ ኸየብኰረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ፣ ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን።
6 ኣነ ንህዝብታት ኣጽነትኩ፣ ግምብታቶም ዐነወ፣ ንመገድታቶም፣ ሓደ እኳ ኸይሐልፈን፣ ኣባደምክወን፣ ከተማታቶም ሓደ ሰብ ዜብለን፣ ዚነብረለን እኳ ዜብለን ኰይነን ጠፍኣ።
7 ኣነ ኸኣ፣ ኣየ፣ እንተ ትፈርህንስ፣ መቕጻዕቲ ኸኣ እንተ ትቕበልስ፣ በልኩ። ሽዑ ሰፈራ በቲ እተጻባጸብክዋ ዅሉ ኣይምጠፍኤትን፣ ንሳቶም ግና ንግሆ ተንሲኦም ኵሉ ግብሮም ኣባላሸዉ።
8 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትውሓጥሲ፣ ኵራይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ከፍስሰሎም፣ ነህዛብ ክእክቦም፣ ንመንግስትታት ከኣ ክኣኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ፣ ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ።
9 ስለዚ ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ፣ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ።
10 ካብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ እቶም ተማህለልተይ፣ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፣ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም።
11 ሽዑ ኣነ ነቶም ብዅርዓትኪ ባህ ዝብሎም ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ፣ ንስኺ ድማ ድሕርዚ ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክትኰርዕን ኢኺ እሞ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይክትሐንክን ኢኺ።
12 ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኺሐድግ እየ፣ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኑ እዮም።
13 ኪጓሰዩን ኪድቅሱን እዮም፣ ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ፣ እቶም ተረፈ እስራኤል ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስዉን እዮም፣ ኣብ ኣፎም ከኣ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።
14 ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ዘምሪ፣ ኣታ እስራኤል፣ እልል በል፣ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፣ ብዅሉ ልብኺ ተሐጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ።
15 እግዚኣብሄ ንፍርድኺ ኣርሐቖ፣ ንጸላኢኺ ሰጐጎ፣ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፣ ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን።
16-17 - በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌ፣ ዎ ጽዮን ኣይትፍርሂ፣ ኣእዳውኪ ኣይተሐለላ፣ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዚድሕን ጅግና እዩ፣ ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ፣ ብፍቕሩ ኺሀድእ፣ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ፣ ኪብልዋ እዮም።
18 ነቶም ብዛዕባ ኣኼባ በዓላት ዚጕህዩ ኽእክቦም እየ፣ ናትኪ እዮም፣ ጾሮም ጸርፊ ነበረ።
19 እንሆ፣ በቲ ጊዜ እቲ ነቶም ዚጭቍንኺ ዅሎም ክጻረሮም እየ፣ ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና፣ ነታ እተሰጐት ከኣ ክእክባ፣ ኣብቲ ዝነወርዎ ዅሉ ነገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ።
20 ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም፣ ኣብ ኵላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ፣ በታ ጊዜ እቲኣ ኸእትወኩም፣ በታ ጊዜ እቲኣውን ክእክበኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።