ሶፎንያስ 2

1-2 - ኣቱም ዘይትሐፍሩ ህዝቢ፣ እቲ ትእዛዝ ከይወለደ፣ እታ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ ከይሐለፈት፣ እቲ ርሱን ቑጥዓ ኣግዚኣብሄር ከይወረደኩም፣ እታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም፣ ተኣከቡ፣ ተኣከቡ።

3 ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ኹላትኩም፣ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ፣ ጽድቂ ድለዩ፣ ትሕትና ድለዩ።

4 እምብኣርሲ ጋዛ ኽትሕደግ፣ ኣስቃሎን ክትባድም፣ኣሽዶድ ብቐትሪ ኽትስጐጕ፣ ዔቕሮን ድማ ክትምንቆስ እያ።

5 ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚነብሩ ሰብ፣ ህዝቢ ክረታውያን፣ ወይለኦም። ኣቲ ከንኣን ሃገር ፍልስጥኤማውያን፣ ቃል እግዚኣብሄር ኣንጻርኪ እዩ፣ ሓደ እኳ ኸይነብረክስ ከጥፍኣኪ እየ።

6 እቲ ገምገም ባሕሪ ድማ መጓሰይን ኣግነት ጓሶትን ደምበ ኣባጊዕን ኪኸውን እዩ።

7 እቲ ገምገም ከኣ ነቲ ተረፍ ቤት ይሁዳ ኪኸውን እዩ፣ ኣብኡ ኺጓሰዩ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪበጽሖም፣ ካብ ምርኮ ድማ ኪመልሶም እዩ እሞ፣ ምሸት ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ኪድቅሱ እዮም።

8 ኣነ ነቶም ንህዝበይ ዝጸርፍዎን ኣብ ልዕሊ ዶቦም ርእሶም ዘዕበዩን ጸርፊ ሞኣብን ምብጫው ደቂ ዓሞንን ሰማዕኩ።

9 ስለዚ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ብርግጽ ሞኣብ ከም ሰዶም፣ ደቂ ዓሞን ከኣ ከም ጎሞራ፣ ግዝኣት ቈጥቋጥን ጕድጓድ ጨውን ናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን፣ ኪዀኑ እዮም። ተረፍ ህዝበይ ኪዘምቶም፣ ሓድጊ ህዝበይውን ኪርስተዮም እዩ።

10 ንህዝቢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ጸሪፎምዎን ተዐብዮምሉን እዮም እሞ፣ እዚ ብሰሪ ትዕቢቶም ኪወርዶም እዩ።

11 እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ እሞ፣ ኣባታቶም መሰክሒ ኪኸውን እዩ። ኵሎም ደሴታት ኣህዛብ ከኣ፣ ነፍሲ ወከፍ ከካብ ቦታኦም ኪሰግዱሉ እዮም።

12 ንስኻትኩም ኢትዮጵያውያን ድማ፣ ብሰይፊ ክትቅተሉ ኢኹም።

13 ኢዱ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ኺዝርግሕ እዩ እሞ፣ ንኣሶር ኬጥፍኣ፣ ንነነዌ ድማ ኬባድማን፣ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ኪገብራን እዩ።

14 ኣብ ማእከላ መጓሴታት፣ ኵለን እንስሳ ኣህዛብ፣ ኪሰፍራ እየን፣ ኣምባጉምባሕን ቅንፍዝን ኣብ ልዕሊ ጉልላታ ኺሐድሩ እዮም፣ ኣብ መስኰት ድምጺ ይዝምር፣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኦም ሊባኖስ ኪቕላዕ እዩ እሞ፣ እቲ ልዳውቲ ኺባድም እዩ።

15 እታ ሀዲኣ እትነብርን ብልባ ኸኣ፣ ኣነ እየ፣ ብጀካይ ሓደ እኳ የልቦን፣ እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ። ከመይ ኢላ ባደመት ማሕደር ኣራዊትውን ኰነት፣ ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ ይፋጽን ኢዱ ይንዝንዝን።