መኃልየ መኃልየ 5

1 ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ናብ ገነተይ መጺኤ፡ ከርበይን ምኡዝ ቀመማተይን ቀንጢበ፡ መዓር ወለላይን መዓረይን በሊዔ፡ ወይነይን ጸባይን ሰትየ። ኣቱም ኣዕሩኸይ፡ ብልዑ፡ ስተዩ፡ ፍትዋተየ፡ ኣብዚሕኩም ስተዩ።

2 ኣነ ደቀስኩ፡ ልበይ ግና ነቕሔ፡ ድምጺ ፍትወይ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ ፍትውተይ፡ ርእሰይ ህቦ፡ ጐተናይ ከኣ ነጥቢ ለይቲ መሊኡ እዩ እሞ፡ እቲ ርግበይ፡ ፍጽምተይ፡ ክፈትለይ፡ እናበለ፡ ማዕጾ ኪዂሕኲሕ ሰማዕኩ።

3 ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኽደኖ? ኣእጋረይ ተሐጺበ እየ፡ ከመይ ኢለ ኸርስሖ?

4 ፍትወይ ኢዱ ብነዃል ሰደደ፡ ውሽጠይ ብእኡ ተደፋነቐ።

5 ንፍትወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ፡ ኣእዳወይ ከርበ፡ ኣጻብዔይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መትሓዝ መሃርሃሪ ፈሳሲ ኸርበ ኣንጠብጠበ።

6 ንፍትወይ ከፈትኩሉ፡ ፍትወይ ግና ከይዱ ረሐቐ፡ ኪዛረብ ከሎ፡ ነፍሰይ ጠለመትኒ፡ ደሌኽዎ ኣይረኸብክዎን ከኣ፡ ጸዋዕክዎ ኣይመለሰለይን ድማ።

7 ሓለውቲ ኣብ ከተማ ኺዞሩ ኸለው ረኸቡኒ፡ ውቕዑኒ፡ ኣቚሰሉኒ፡ ሓለውቲ መካበብያ መጐልበብየይ ገፈፉኒ።

8 ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፡ ንፍትወይ እንተ ረኸብክናኦ፡ ብፍቕሪ ኸም ዝሐመምኩ ክትነግራኦ ኤምሕለክን ኣሎኹ።

9 ኣቲ ሓለፋ ዂለን ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከምይ ኢሉ እዩ? ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊዶ ይበልጽ እዩ?

10 ፍትወይሲ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ጻዕዳን ቀይሕን እዩ።

11 ርእሱ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ እዩ፡ ጐተናኡ ዀርዳድ፡ ከም ኳዂ ዝምጽላሙ እዩ።

12 ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ ርግብታት፡ ጸባ ተሐጺበን፡ ኣብ ምልኣት ተነቢረን እየን።

13 ጒንጭታቱ ኸም ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም፡ ከም ምኡዝ ኣትክልቲ እዩ፡ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕንባባ ሹወን እየን።

14 ኣእዳው ክሪሶሊት እተሰንቀሮ ቐላብቲ ወርቂ እየን፡ ደረቱ ብሰፊሮስ እተሰለመ፡ ብልሓተኛ ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።

15 ኣእጋሩ ብደገፍ ጽሩይ ወርቂ እተሰረታ ኣዕኑድ እምነ በረድ እየን፡ ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ኣእዋም ሊባኖስ እተመርጸ እዩ።

16 ኣፉ ኣዝዩ ጥዑም፡ ኲለንትናኡ ፍትዊ እዩ። ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፡ ፍትወይ እዚ እዩ፡ ፈታውየይሲ እዚ እዩ።