መኃልየ መኃልየ 3

1 ብለይቲ ኣብ ዓራተይ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደሌኽዎ፡ ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።

2 ክትንስእ እየ እሞ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸኣ ክደልዮ እየ። ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።

3 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ? ኢለ ኸኣ ሐተትክዎም።

4 ቅሩብ ምስ ሐለፍክዎም፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፡ ሐዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሐደግክዎን።

5 ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከየተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን ኣሎኹ።

6 እዛ፡ ዓንዲ ትኪ መሲላ፡ ከርበን ዕጣንን ናይ ነጋዶ ዂሉ ዓይነት ቀመማትን እትጨኑ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ?

7 እንሆ፡ ዓራት ሰሎሞን፡ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጅግና ኸቢቦምዋ።

8 ኲላቶም ሰይፊ ዚሕዙ፡ ምሁራት ውግእ እዮም። ስለ ፍርሃት ለይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ዕጡቕ እዩ።

9 ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኦም ሊባኖስ ንርእሱ ዓራት መሰከሚ ገበረ።

10 ኣዕኑዱ ብብሩር፡ መጻግዒኡ ብወርቂ፡ መቐመጢኡ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ። ውሽጡ ኸኣ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ብፍቕሩ ዝጠለፋኡ እዩ።

11 ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ምስቲ ኣዲኡ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጐስ ልቡን ዝኸለለቶ ኣኽሊል ክትርእያኦስ ውጻ።