ሚክያስ 4

1 በተን ዳሕሮት መዓትታት ኪኸውን እዩ፣ እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፣ ኣብ ልዕሊ ዅድኵዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።

2 ሕጊ ካብ ጽዮን፣ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ኢየሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፣ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፣ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፣ ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ፣ ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና፣ ከኣ ኪብሉ እዮም።

3 ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ፣ ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፣ ኵናውቶም ድማ ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም።

4 ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም ሰለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።

5 ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፣ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ክንመላለስ ኢና።

6 በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ሓንካስ ክእክባ፣ ነታ እተሰጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ከሕብረን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

7 ነታ ሓንካስ ንተረፍ፣ ነታ ናብ ርሑቕ እተሰጐት ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብረን እየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ከረን ጽዮን ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ።

8 ኣታ ግምቢ መጓሰ፣ ኣታ ዅርባ ጓል ጽዮን፣ ናባኻ ኽትመጽእ፣ እወ፣ እታ ጥንታዊት ግዝኣት፣ እታ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመጻካ እያ።

9 እምብኣርሲ ስለምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ∶ ከም እትሐርስ ሰብይቲ ቕልውላው ዚሕዘክስ፣ ንጉስዶ ኣብ ማእከልኪ የሎን፣ መኻሪኺዶ ጠፊኡ እዩ∶

10 ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ሕጂ ካብታ ኸተማ ኽትወጺ፣ ኣብ መሮር ከኣ ክትስፍሪ፣ ክሳዕ ባቢሎን ድማ ክትመጺ ኢኺ። ኣብኡ ኽትድሕኒ ኢኺ: ኣብኡ እግዚኣብሄር ኺብጀወኪ እዩ እሞ፣ ከም እትሐርስ ሰበይቲ ኣቕለልውን ተጨነቕን።

11 ሕጂ ኸኣ፣ ትርከስ፣ ኣዒንትና ድማ ናብ ጽዮን ይጥምታ፣ ዚብሉ ብዙሓት ህዝብታት ተኣከቡኺ።

12 ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈለጡን ምኽሩውን ኣየስተውዐሉን፣ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ይእክቦም ኣሎ።

13 ኣቲ ጓል ጽዮን ቀርንኺ ሓጺን፣ ሸኾናኺ ድማ ነሓሲ ክገብሮ እየ እሞ፣ ተንስኢ፣ ኣኺዲ፣ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ክትሰባብሪ ኢኺ፣ ኣነውን ዘመቲኦም ንእግዚኣብሄር፣ ሃብቶም ድማ ንጐይታ ዅላ ምድሪ ክቕድሶ እየ።