ሚክያስ 3
1 ኣነ በልኩ፣ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤል፣ ስምዑ ዀታ፣ ፍርዲ ምፍላጥሲ ኣባካትኩምዶ ኣይኰነን ∶
2 ሰናይ እትጸልኡ፣ እከይ ከኣ እትፈትዉ፣ ቈርበቶም እትቐልጥዎም፣ ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቶም እተዋርዱ፣
3 ስጋ ህዝበይ ድማ እትበልዑ፣ ቈርበቶም እትቐልጥዎም፣ ዓጻጽምቶም እትሰብሩ፣ ከምቲ ኣብ ቍራዕ፣ ናብ ድስቲ ዚኣቱ ስጋ እትቘራርጽዎ ኢኹም።
4 ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ኬእውዩ እዮም፣ ንሱ ግና ኣይኪመልሰሎምን። በቲ ጊዜ እቲ፣ ከምቲ ዝገብርዎ ኽፉእ ግብሮም፣ ገጹ ካብኦም ኪሕብእ እዩ።
5 እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዜስሕቱ፣ በስናኖም ዚነኽሱ፣ ሰላም ዚእውጁ፣ ነቲ ናብ ኣፎም ገለ ዘይህቦም ድማ ውግእ ዜዳልዉሉ ነብያት ከምዚ ይብል ኣሎ፣
6 ስለዚ ኣብ ክንዲ ራእይስ ለይቲ፣ ኣብ ክንዲ ጥንቈላ ኸኣ ጸልማት ኪዀነኩም እዩ። ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ነብያት ትዐርብ፣ መዓልቲ ድማ ትጽልምቶም።
7 እቶም ራእይ ዚርእዩ ኺንውሩ፣ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ኪሐንኩ እዮም፣ ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን እሞ፣ ኵላቶም ጭሕሞም ኪኸድኑ እዮም።
8 ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፣ ንእስራኤል ከኣ ሓጢኣቱ ኽነግሮስ፣ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ሓይልን ፍርድን ትብዓትን መሊኤ ኣሎኹ።
9-10 ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፣ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፣ ንጽዮን ብደም ንኢየሩሳሌም ከኣ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍቲ ቤት እስራኤልን፣ እዚ ዀታ ስምዑ፣
11 ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ፣ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፣ ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ፣ ምስናይ እዚ ኸኣ፣ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእከልና ኣይኰነን፣ መዓት ኣይወርደናን እዩ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄር ይጽግዑ።
12 ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፣ ኢየሩሳሌም ከኣ ኵምራ ኣእምን ክትከውን፣ ደብሪ እታ ቤትውን ኵርባ ዱር ኪኸውን እዩ።