መሳፍንቲ 6

1 ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ሾብዓተ ዓመት ናብ ኢድ ሚድያን ኣሕሊፉ ሀቦም።

2 ኢድ ሚድያን ድማ ኣብ እስራኤል በርትዔት፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብሰሪ ሚድያን እቲ ኣብ ኣኽራን ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን እምባታትን ገበሩ።

3 ኰነ ድማ፡ እስራኤል ምስ ዘርኤ፡ ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ደየቡ፡ ናብኦም ደየብዎም።

4 ኣብኦም ሰፊሮም፡ ክሳዕ እቲ ንጋዛ ዜእቱ ፍረ እታ ምድሪ ኣጥፍኡ፡ ገለ ምግቢ ዀነ፡ በጊዕ ኰነት፡ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ ኣብ እስራኤል ኣይሐደጉን።

5 ንሳቶም ምስ ከምብቶምን ድንኳውንቶምን ደየቡ፡ ምብዛሖም ከም ኣንበጣ ዀይኖም መጹ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቊጽሪ ዜብሎም ነበሩ እሞ፡ ኬጥፍእዋ ናብታ ሃገር ኣተዉ።

6 እስራኤል ብሚድያን ብዙሕ ተሸገረ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።

7 ኰነ ኸኣ ደቂ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡

8 እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነብዪ ሰደደሎም። ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ካብ ቤት ባርነት ኣውጻእኩኹም።

9 ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኵሎም መጥቃዕትኹምን ኣድሐንኩኹም፡ ንኣታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐ ምድሮም ሀብኩኹም።

10 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ኣብ ሃገሮም ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኣሞራውያን ኣይትፍራህዎም፡ ድማ በልኩኹም። ግናኸ ቃለይ ኣይሰማዕኩምን።

11 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መጺኡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ዮአስ ኣቢዔዝራዊ፡ ኣብ ዖፍራ ዘላ ድዋ ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን ካብ ሚድያናውያን ኪሐብእ፡ ስርናይ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ።

12 ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከኣ በሎ።

13 ጊዴዎን ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደኣ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ረኸበና፧ እቲ ኣቦታትና፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ኣደይቡናዶ ኣይኰነን፡ ኢሎም ዝነገሩና ዅሉ ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ፧ ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ሐዲጉናስ፡ ኣብ ኢድ ሚድያን እኳ ኣሕሊፉ ሂቡና፡ በሎ።

14 ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልጽ ኢሉ፡ ልኢኸካዶ ኣይኰንኩን፧ በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም፡ በሎ።

15 ንሱ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ፡ ንእስራኤል ደኣ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፧ በሎ።

16 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ፡ በሎ።

17 ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ እትዛረበኒ ዘሎኻ ንስኻ ከም ዝዀንካ ምልክት ሀበኒ፡

18 መስዋእተይ ኣውጺኤ፡ ናባኻ መጺኤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ካብዚ ኣይትኺድ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ እትምለስ፡ ክጸንሓካ እየ፡ በሎ።

19 ሽዑ ጊዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ቅጫ ሰንኪቱ ኣዳለወ። ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፡ ነቲ መረቕውን ኣብ ቊራዕ ገበሮ። ኣብ ትሕቲ ድዋ ኣውጺኡ ድማ ናብኡ ኣቕረበሉ።

20 እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከኣ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኣንብሮ ነቲ መረቕውን ኣፍስሶ፡ በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ።

21 ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ተንከዮ እሞ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ።

22 ሽዑ ጊዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ረአየ። ጊዴዎን ከኣ፡ ወይለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ርእየዮ፡ በለ።

23 እግዚኣብሄር ድማ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ ኣይትፍራህ ኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ።

24 ሽዑ ጊዴዎን ካብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ እግዚኣብሄር-ሰላም፡ ኢሉ ኸኣ ሰመዮ። ንሱ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ።

25 ኰነ ኸኣ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በሎ፡ ናይ ኣቦኻ ኣርሓ፡ እቲ ኻልኣይ ሾብዓተ ዓመት ዝገበረ ኣርሓ፡ ውሰድ፡ ነቲ ናይ ኣቦኻ መሰውኢ በዓል ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ኣስታርተ ኸኣ ቊረጾ።

26 ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፡ ነቲ ኻልኣይ ኣርሓ ኸኣ በቲ እተቘርጾ ኣስታርተ ጌርካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርጎ።

27 ሽዑ ጊዴዎን ካብ ገላዉኡ ዓሰርተ ሰብ ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮስ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሄ፡ ብለይቲ ገበሮ።

28 ንጽቢሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ኸኣ ተቘረጹ፡ እቲ ኻልኣይ ኣርሓውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ።

29 ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ ነገር እዚ መን ገበሮ፧ ተባሃሀሉ። ሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ እዚ ነገር እዚ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ዝገበሮ፡ በሉ።

30 ሽዑ ሰብ እታ ኸተማ ንዮኣስ፡ ወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ድማ ቈሪጹ እዩ እሞ፡ ኪመውት ኣውጽኣዮ፡ በልዎ።

31 ዮኣስ ከኣ ነቶም ኪቃወምዎ ዝተንስኡ ዅሎም፡ ንበዓልዶ ኽትጣበቑሉ ኢኹም፡ ወይስ ክተድሕንዎዶ ደሊኹም፧ እቲ ኺጣበቐሉ ዚደሊ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ይሙት፡ ንሱ ኣምላኽ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶ፡ በሎም።

32 ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በዓል ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶ፡ ኢሉ የሩብ-በዓል ሰመዮ።

33 ሽዑ ዅሎም ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተአከቡ፡ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ሰፈሩ።

34 ንጊዴዎን ከኣ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ። ንሱ መለኸት ነፍሔ፡ ኣቢዔዝራውያን ከኣ ተአኪቦም ሰዐብዎ።

35 ናብ ብዘሎ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ከኣ ከቲቶም ሰዐብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ኪቕበልዎም ደየቡ።

36 ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ንእስራኤል ብኢደይ ተድሕኖ እንተ ዄንካስ፡

37 እንሆ፡ ኣነ እዚ ቚሩጽ ጸምሪ እዚ ኣብ ዓውዲ ኤንብር ኣሎኹ። ኵላ ምድሪ ንቕጽቲ ኸኣ ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዛዓ እንተ ዀነ፡ ሽዑ ኸምቲ እተዛረብካዮ፡ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ፡ በሎ።

38 ከምኡ ድማ ዀነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ጸሞቘ፡ ካብቲ ጸምሪ ኸኣ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውጽኤ።

39 ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብ፡ ቊጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን በጃኻ። እምበኣርሲ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዛዕዞዓ ይኹን፡ በሎ።

40 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ከሎ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዛዕዝዓ ዀነ።