መሳፍንቲ 19
1 ኰነ ኸኣ፡ በቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዘይነበሮ ዘበን፡ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ንኸረን ኤፍሬም ኣብ ወገን ንየው ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ።
2 እታ ሰበይቲ ወሰኑ ኸኣ መንዘረት፡ ካብኡ ናብ ቤት ኣቦኣ ናብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸይዳ ኸኣ፡ ኣብኣ ኣርባዕተ ወርሒ ዚኸውን ጊዜ ተቐመጠት።
3 እቲ ሰብኣያ ድማ፡ ልባ ኣፍትዩ ኺመልሳ፡ ተንሲኡ ደድሕሪኣ ኸደ። ጊልያኡን ክልተ ኣድግን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ንሳ ድማ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶ፡ ኣቦ እታ መርዓት ምስ ረአዮ ኸኣ ተሐጒሱ ተቐበሎ።
4 እቲ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ ድማ ግዲ በሎ እሞ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቐመጠ። በልዑን ሰተዩን ኣብኡ ኸኣ ሐደሩ።
5 ኰነ ኸኣ፡ በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኪኸይድ ድማ ተላዕለ። ኣቦ እታ መርዓት፡ ንሰብኣይ ጓሉ፡ ቊራስ እንጌራ በሊዕካ ልብኻ ኣጽንዕ እሞ ድሕርቲ ኽትከዱ፡ በሎ።
6 ኮፍ ኢሎም ድማ ክልቲኦም ብሓንሳእ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ መርዓት ከኣ ነቲ ሰብኣይ፡ በጃኻ ፈቲኻ ሕደር፡ ልብኻውን ይተሐጐስ፡ በሎ።
7 እቲ ሰብኣይ ግና ኪኸይድ ተንስኤ፡ እቲ ሓሙኡ ደኣ ግዲ በሎ እሞ፡ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ።
8 ብሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪኸይድ ኣንጊሁ ተንስኤ። ኣቦ እታ መርዓት ከኣ፡ በጃኻ ልብኻ ኣጽንዕ፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚውልውል ጽናሕ፡ በሎ፡ ክልቲኦም ድማ በልዑ።
9 እቲ ሰብኣይ ምስታ ሰበይቲ ወሰኑን እቲ ጊልያኡን ኪኸይድ ምስ ነቐለ፡ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ እንሆ፡ መዓልቲ ኺዓርብ ኢሉ፡ በጃኻ ሕደሩ፡ እንሆ መዓልቲ መስዩ እዩ እሞ ሕደር፡ ልብኻ ይተሐጐስ፡ ጽባሕ ድማ ናብ ቤትካ ኽትከይድሲ ኣንጊህኩም መገድኹም ኪዱ፡ በሎ።
10 እቲ ሰብኣይ ግና ኪሐድር ኣይፈተወን እሞ ተንሲኡ ኸደ፡ ክሳዕ መንጽር ይቡስ መጸ፡ - ንሳ ኸኣ ኢየሩሳሌም እያ -። እተን ጽዑናት ኣእዱግን እታ ሰበይቲ ወሰኑን ድማ ምስኡ ነበራ።
11 ኣብ ይቡስ ምስ በጽሑ፡ ምድሪ ኣዝያ መስያ ነበረት እሞ፡ እቲ ጊልያ ንጐይታኡ፡ በጃኻ ንዓ፡ ናብዛ ኸተማ ይቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር፡ በሎ።
12 ጐይታኡ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ናብ ዜብላ ኸተማ ጓኖት ኣይንኣቱን። ናብ ጊብዓ ደኣ ንሕለፍ፡ በሎ።
13 ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ንዓናይ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኤን ንቕረብ እሞ ኣብ ጊብዓ ወይ ኣብ ራማ ንሕደር፡ በሎ።
14 ሐሊፎም ድማ ከዱ፡ ኣብ ጥቓ ጊብዓ፡ እታ ናይ ብንያም፡ ጸሓይ ዐረበቶም።
15 ኣብ ጊብዓ አትዮም ኪሐድሩ ናብኣ ኣግለሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፡ ኣብ ቤቱ ኼሕድሮም እተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።
16 እንሆ ድማ፡ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ምሸት ካብ ዕዮኡ ኻብ መሮር መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ ከኣ ካብ ከረን ኤፍሬም መጺኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ኣብ ጊብዓ ይቕመጥ ነበረ፡ ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ።
17 ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ነቲ ሓላፍ መገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ከኣ፡ ናበይ እትኸይድ ኢኻ፧ ካበይከ መጺእካ፧ በሎ።
18 ንሱ ድማ፡ ንሕና ኻብ ቤት-ልሄም ይሁዳ፡ ንኸረን ኤፍሬም ናብ ወገን ንየው እንሐልፍ ኢና፡ ኣነ ኻብኡ እየ፡ ናብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ደኣ ኸይደ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እኸይድ ኣሎኹ፡ ኣብ ቤቱ ዜሕድረኒ ሰብ ድማ ስኢነ።
19 ነእዱግና ዚኸውን ሓሰርን ጥረን፡ ንኣይን ነዛ ገረድካን ነዚ ምስ ገላዉኻ ዘሎ ጊልያን እንጌራን ወይንን ኣሎና፡ ዚጐድለና ነገር የልቦን፡ በሎ።
20 እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ሰላም ይሀሉኻ፡ ሓንትስ ኣብዚ ኣደባባይ ደኣ ኣይትሕደር እምበር፡ ዝጐደለካ ዘበለ ኻባይ ድለዮ፡ በሎ።
21 ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸኣ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሀበን፡ ኣእጋሮም ተሐጺቦም ከኣ በልዑን ሰተዩን።
22 ንሳቶም ልቦም ምስ ተሐጐሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማ፡ ደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነቲ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ ኣትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፡ ኣውጽኣዮ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
23 እቲ ሰብኣይ በዓል ቤት ናባታቶም ወጺኡ ኣሕዋተይ ኣይፋልኩም፡ በጃኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ካብ ኣተወስ፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ።
24 እንሆ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ከም እተራእየኩም ጌርኩም ኣሕስርወን፡ አብዚ ሰብኣይ እዚ ግና ከምዚ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ፡ በሎም።
25 እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይፈተዉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኦም ኣብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከአ ፈለጥዋ፡ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ድማ ዐመጽዋ። ቀይሔ-ጸሊም ኪቐድድ ከሎ፡ ትኺድ ሐደግዋ።
26 ኪወግሕ ምስ ጀመረ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ደገ እታ ጐይታኣ ዘለዋ ቤት መጺኣ፡ ክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት።
27 እቲ ጐይታኣ ብጊሓት ተንሲኡ ማዕጾ እታ ቤት ከፈተ፡ መገዱ ኪኸይድ ድማ ወጸ። እንሃ፡ እታ ሰበይቲ፡ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፡ ኣእዳዋ ኸኣ ኣብ ልዳት ዘርጊሓ ነበረት።
28 ንሱ ድማ፡ ተንስኢ ንኺድ፡ በላ። ግናኸ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ ተላዒሉ ናብ ቦታኡ ኸደ።
29 ኣብ ቤቱ ምስ አተወ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ በብብልዕቲ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቚራጽ ቈራረጻ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ሰደዳ።
30 ኰነ ድማ፡ እዚ ዝረአየ ዅሉ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ መዓልቲ ኸሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዝመሰለ ዀይኑን ተራእዩን ኣይፈልጥን። ሕሰብዎን ተማኻኸሩሉን ተዛራረቡሉን፡ በለ።