ኢሳይያስ 50
1 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣነ ዝፈታሕኩሉ ጽሕፈት ምፍታሕ ኣዴኹም ደኣ ኣበይ ኣሎ? እቲ ንእኡ ዝሸጥኩኹም ብዓል ዕዳይ መን እዩ? እንሆ፡ ብሰሪ በደልኩም ደኣ ኢኹም እተሸጥኩም፡ ብሰሪ ገበንኩም ድማ ኣዴኹም ተፈትሔት።
2 ስለምንታይ እዩ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሔ? ጸዊዔ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይመልሰለይ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ? ወይስ ከናግፍዶ ሓይሊ የብለይን? እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ ኤንጽፎ፡ ንወሓይዝ ድማ ምድሪ ኣጻምእ እገብሮ፡ ሰኣን ማይ ከኣ ዓሳታቱ ብጽምኢ ሞይቶም ይምሽምሹ።
3 ንሰማያት ብጸልማት እኽደኖ፡ መጐልበቢኡ ድማ ከሊ እገብሮ።
4 ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።
5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን።
6 ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ሀብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን።
7 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተጓእ ኣይበልኩን። ስለዚ ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፡ ከም ዘይሐፍር ከኣ ፈለጥኩ።
8 እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ፡ መን እዩ ዚማጐተኒ? ብሓደ ንቑም። መንከ እዩ ተጻራርየይ? ይቕረበኒ።
9 እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ፡ ዚዂንነኒ ደኣ መን እዩ? እንሆ፡ ኲላቶም ከም ዓለባ ኺበልዩ፡ ብልዒውን ኪበልዖም እዩ።
10 ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡውን ዚሰምዕ መን እዩ? እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ብርሃን ከኣ ዚስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹውን ይጸጋዕ።
11 እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ዂላትኩም፡ እያድ ከኣ እትዕጠቑ፡ ኣብቲ ሃልሃልታ ሓውኹምን ኣብቲ ዘንደድኩምዎ እያድን ኪዱ፡ እዚ ኻብ ኢደይ እዩ ዚመጻኩም፡ ኣብ ስቓይ ክትድቅሱ ኢኹም።