ኢሳይያስ 15
1 ጾር ብዛዕባ ሞኣብ። ኣየ፡ ኣር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ፡ ኣየ፡ ቂር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ።
2 ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን ኪበኽያ ናብ በረኽቲ ይወጻ ኣለዋ፡ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን ኣብ ልዕሊ ሜድባን ኰይና ዋይዋይ ትብል ኣላ፡ ኲሉ ርእሶም ነዃዕ፡ ኲሉ ጭሕሚ ኸኣ ቊሩጽ እዩ።
3 ኣብ ኣደባባያ ኽዳን ሓዘን ይዕጠቑ፡ ኣብ ኣናሕሳን ኣብ ዕዳጋኣን ዋይዋይ እናበሉ ንብዓት የውሕዙ።
4 ሄስቦንን ኤልዓለን የእውያ፡ ድምጸን ክሳዕ ያሓጽ ይስማዕ፡ ስለዚውን ናይ ማኣብ ተዋጋእቲ የእውዩ፡ ነፍሱ ኣብ ውሽጡ ተንቀጥቅጥ ኣላ።
5 ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፡ እቶም ህዱማታ ኽሳዕ ጾኣር፡ ናብ ኤግላት - ሸሊሽያ ይሀድሙ፡ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ፡ ኣብቲ ናይ ሆሮናይም ዚወስድ መገዲውን ኣውያት ጥፍኣት ይተኽሉ ኣለው።
6 ማያት ኒምሪም ነጺፉ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ነቐጸ፡ ለቕሚ ቐምሰለ፡ ለምዒ የልቦን።
7 ስለዚ ነቲ ዘትረፍዎን ነቲ ዝዐቘርዎን ብርባ ዕቦል ኬሳግርዎ እዮም።
8 ንዶባት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፡ ብኽያታ ኽሳዕ ኤግላይም፡ ብኽያታውን ክሳዕ ብኤር - ኤሊም በጽሔ።
9 ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፡ ኣብ ዲሞን ዝገደደ ኽውስኽ እየ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘምለጡ ሰብ ሞኣብን ኣብ ልዕሊ ተረፍ እቲ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።