ዘጸአት 34
1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንኣኻ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ፡ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣነ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፎ እየ።
2 ንጽባሕ ድማ ተዳሎ፡ ኣንጊህካ ኸኣ ናብ ከረን ሲና ደይብ እሞ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ናባይ ተረኸብ።
3 ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ ኸረን ከኣ ገለ ሰብ እኳ ኣይርኤ፡ ኣባጊዕን ኣሓን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኸረን ኣይውፈራ፡ በሎ።
4 ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸረበ። ንጽብሒቱ ኸኣ ሙሴ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ ንኽልቲኤን ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ።
5 እግዚኣብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ እሞ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ።
6 እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሐለፈ ኣወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንኹራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡
7 ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ።
8 ሙሴ ድማ ቀልጢፉ ኣብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ፡
9 እሞ በለ፡ ጐይታይ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ዓመጽናን ሓጢኣትናን ይቕረ ኽትብለልና፡ ርስትኻ ጌርካውን ክትቅበለናስ፡ ኣብ ዓይንኻ እንተ ደኣ ጸጋ ረኺበ፡ በጃኻ፡ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ።
10 በለ ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኺዳን ክገብር እየ። ንእኡ ዚመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዘይተገብረ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዜፍርህ ነገር እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእከሉ ዘሎኻ ህዝቢ ግብሪ እግዚኣብሄር ኪርኢ እዩ።
11 እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሐሉ፡ እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኸውጽኦም እየ።
12 ኣብ ማእከልካ ንመፈንጠራ ኸይኰኑስ ምስቶም ኣብታ ንስኻ እትኣትዋ ምድሪ ዚነብሩ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ።
13 መሰውኢታቶም ደኣ ኣፍርሱ፡ ሓወልትታቶም ስበሩ፡ ኣሽሪሞም* ከኣ ኣፍርሱ።
14 እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።
15-16 ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዚምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡን፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዝራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ።
17 ዝፈሰሱ ኣማልኽቲ ንኣኻ ኣይትግበር።
18 ንበዓል ቅጫ ሐልዎ። ካብ ግብጺ ብወርሒ ኣቢብ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ጊዜ ብወርሒ ኣቢብ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ።
19 ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ፡ ተባዕታይ ዘበለ በዅሪ ማልካ ድማ ብዕራይን በጊዕን ናተይ እዩ።
20 በዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተበጀዎ። ክትብጀዎ እንተ ዘይፈቶኻ ድማ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ኸኣ ነቲ በዅሪ ዘበለ ተበጀዎ። ሓደ እኳ ጥራይ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይርኤ።
21 ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ዕረፍ። ብጊዜ ማሕረስን ዓጺድን ድማ ዕረፍ።
22 ኣብ ምጅማር ዓጺድ ስርናይ ናይ ሰሙናት በዓል ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምትሕሳስ ኣብዕል።
23 ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርኤ።
24 ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጕ እየ፡ ንዶባትካ ድማ ከግፍሖ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርኤ ኢልካ ምስ እትድይብ፡ ንምድርኻ ዚትምነ ሰብ የልቦን።
25 ንደም መስዋእተይ ምስ መጺጽ እንጌራ ኣይትሰዋኣዮ። እቲ መስዋእቲ በዓል ፋስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
26 መጀመርታ እቲ ቐዳማይ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣእቱ።ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኣ ኣይተብስሎ።
27 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፡ እዚ ቓላት እዚ ንኣኻ ጽሐፎ፡ በሎ።
28 እንጌራ ኸይበልዐን ማይ ከይሰተየን፡ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኺዳን ቃላት፡ እቲ ዓሰርተ ቓላት፡ ኣብተን ጽላት ጸሐፎ።
29 ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ፡ በቲ ካብ ከረን ምውራዱ እተን ክልተ ጽላት ምስክር ኣብ ኢድ ሙሴ ነበራ፡ ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ እቲ ቖርበት ገጹ ኸም ዘንጸባረቐ ኣይፈለጠን ነበረ።
30 ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረኣዩ፡ እንሆ፡ ቆርበት ገጹ የንጸብርቕ ነበረ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ።
31 ሙሴ ኸኣ ጸውዖም፡ ኣሮንን ኵሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ ተመልሱ፡ ሙሴ ኸኣ ተዛረቦም።
32 ድሕርዚ ኸኣ ኵሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ክረን ሲና ዝነገሮ ዅሉ ኣዘዞም።
33 ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ኣብ ገጹ ጕልባብ ገበረ።
34 ሙሴ ምስኡ ኺዛረብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ ነቲ ጕልባብ የልዕሎ ነበረ። ወጺኡ ኸኣ እቲ እተኣዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ።
35 ደቂ እስራኤል ድማ ቆርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዜንጸብርቕ፡ ገጽ ሙሴ ይርእዩ ነበሩ፡ ሙሴ ኸኣ ምስኡ ንምዝራብ ክሳዕ ዝኣቱ ነቲ ጕልባብ ናብ ገጹ መለሶ።